ጎዳልያ ኣብ ምፅጳ ተቐተለ
እስማኤል ምስ ጎዳልያ እንጀራ በሊዑ፥ ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ቀተሎም፥ መባእ ፆይሮም ዝመፁ ሰማንያ ሰባት ሓረዶም፥ ጕድጓድ ድማ ብምዉታት መልኦ። ዮሃናን ነቶም ምሩኻት ኣድሓኖም፤ እስማኤል ግና ኣምለጠ። እቲ ተረፍ ድማ ባቢሎን ብዛዕባ እዙይ ዝገብሮ ፈሪሑ፥ ናብ ግብፂ ኣምሪሑ ኸደ።
41 1ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ድማ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዝኾነን ሓደ ኻብ ዓበይቲ ሹማምንቲ ንጉስን ዝኾነ እስማኤል ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ምስ ዓሰርተ ሰባት ናብ ጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ኣብ ምፅጳ መፀ። ኣብኡ ኸዓ ኣብ ምፅጳ ብሓባር እንጀራ በልዑ። 2እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ድማ ተሲኦም፥ ንጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ብሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎ፤ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝሾሞ ሰብ ድማ ቀተልዎ። 3እስማኤል ከዓ ነቶም ምስ ጎዳልያ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኵሎም ኣይሁድን ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ተዋጋእቲ ባቢሎናውያን ወታደራትን ቀተሎም።
4ጎዳልያ ምስ ተቐተለ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ፥ ገና ሓደ እኳ እንተይፈለጠ፥ 5ሰማንያ ሰባት ካብ ሴኬምን ካብ ሴሎን ካብ ሰማርያን፥ ጭሕሞም ተላፂዮም፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ሰብነቶም ባሕጭሮም፥ መባእን ዕጣንን ናብ ቤት ኣቦና ፆይሮም መፁ። 6እስማኤል ወዲ ነታንያ ድማ ክቕበሎም ካብ ምፅጳ እናበኸየ ወፀ። ምስ ረኸቦም ከዓ “ናብ ጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ንዑ” በሎም። 7ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ድማ፥ እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ቀቲሎም ናብ ማእኸል ጕድጓድ ደርበይዎም። 8ካብኣቶም ዓሰርተ ሰባት ግና ንእስማኤል “ኣብ ግራት ዝተሓብአ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” በልዎ። ንሱ ኸዓ ምስቶም ካልኦት እንተይቀተሎም ሓደጎም።
9እቲ እስማኤል ኵሎም ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየሉ ጕድጓድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ኣሳ ንባኦስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዝሰርሖ ዓብዪ ጕድጓድ እዩ ነይሩ። እስማኤል ወዲ ነታንያ ድማ ብምዉታት መልኦ።
10እስማኤል ድማ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝተረፉ ኵሎም ህዝቢ፥ ነተን ኣዋልድ ንጉስን ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝተረፉ ኵሎምን ማረኾም፤ ንሳቶም እቶም ሓለቓ ዘብዐኛታት ነቡዛርዳን ንጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ዝኣመኖም እዮም። እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸዓ ማሪኹ ናብ ደቂ ኣሞን ክሳገር ወፀ።
11ዮሃናን ወዲ ቃሬን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ድማ፥ ነቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ ኵሉ ክፉእ ምስ ሰምዑ፥ 12ንዅሎም እቶም ሰባት ወሲዶም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ክዋግእዎ ኸዱ፤ ኣብ ገባዖን ድማ ኣብቲ ዓብዪ ቓላይ ረኸብዎ። 13ኵሎም እቶም ምስ እስማኤል ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ንዮሃናን ወዲ ቃሬን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ። 14ስለዙይ እቶም እስማኤል ካብ ምፅጳ ዝማረኾም ኵሎም ምሩኻት፥ ተመሊሶም ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬ ኸዱ። 15እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሸሞንተ ሰባት ኮይኑ ካብ ዮሃናን ኣምሊጡ፥ ናብ ደቂ ኣሞን ከደ።
16ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ነታንያ ንጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ድሕሪ ምቕታሉ፥ ዮሃናን ካብ እስማኤል ኣድሒኑ ዝተረፉ ህዝቢ፥ ማለት ተዋጋእቲ ሰባትን ኣንስትን ቆልዑን ሹማምንትን ካብ ገባዖን ዝመለሶም፥ ካብ ምፅጳ ወሰዱ። 17ተሲኦም ድማ ናብ ግብፂ ክኸዱ፥ ኣብ ጥቓ ቤተ ልሔም ኣብ ዘሎ ጌሩት ከመዓም ዓረፉ፥ 18እስማኤል ወዲ ነታንያ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝሾሞ ጎዳልያ ወዲ ኣሒቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ፈሪሖም ነበሩ።