ኣቦና ንኤርሚያስ ክልተ መሶብ በለስ ኣርኣዮ
ክልተ መሶብ በለስ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ተነቢሩ ኣሎ። እቶም ፅቡቓት፥ ናብ ባቢሎን ዝተማረኹ ስደተኛታት እዮም — እቶም ኣቦና ዳግም ዝተኽሎም፥ ንእኡ ዝፈልጡ ልቢ ድማ ዝህቦም። እቶም እኩያት ከዓ፥ ሴዴቅያስን እቶም ገና ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ዘምለጡ ዝመሰሎምን እዮም።
24 1ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ወዲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ መኳንንቲ ይሁዳን ጥበበኛታትን ሰረሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ድሕሪ ምምራኹ፥ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ኣቦና ዝተነበረ ክልተ መሶብ በለስ ኣርኣየኒ። 2እቲ ሓደ መሶብ ቀዲሙ ዝበሰለ እምብዛ ፅቡቕ በለስ ነበሮ፤ እቲ ካልኣይ መሶብ ግና ክሳዕ ዘይብላዕ ዝኸፍአ በለስ ነበሮ።
3ሽዑ ኣቦና “ኦ ኤርሚያስ፥ እንታይ ትሪኢ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ኣነ ድማ “በለስ” በልኩ፥ “እቲ ፅቡቕ እምብዛ ፅቡቕ እዩ፥ እቲ እኹይ ከዓ ክሳዕ ዘይብላዕ ዝኸፍአ እዩ።”
4ከምዙይ ዝብል ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦
5“ኣቦና ናይ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቶም ፅቡቓት በለስ፥ ከምኡ ነቶም ካብዚ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ ከም ፅቡቕ ጌረ ኽርእዮም እየ።
6“ኣዒንተይ ንፅብቖም ኣብ ልዕሊኦም ከቕንዕ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ክመልሶም እየ፤ ክሃንፆም እምበር ኣይፈርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ። 7ንዓይ ከም ኣቦ ኽፈልጡ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ውሉደይ ክኾኑ እዮም፥ ኣነ ኸዓ ኣቦኦም ክኸውን እየ፤ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ።”
8“ከምቶም ክሳዕ ዘይብላዕ ዝኸፍአ እኩያት በለስ ግና—ይብል ኣቦና—ከምኡ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመኳንንቱን ኣብዚ ወይ ኣብ ግብፂ ንዝተረፉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን ክገብሮም እየ።
9“ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ናብ ዝሰጐጎም ኵሉ ቦታ፥ መስካሕክሒን መዓትን ውርደትን መላገፂን መመሰሊን መርገምን ክገብሮም እየ። 10ነታ ንኣኣቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብክዎም ምድሪ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ናብኣቶም ክሰድድ እየ።”