ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኤፍሬም ናብ ቤቱ ኣይክምለስን

ኤፍሬም ዘይተገላበጠ ቕጫ እዩ፥ ኣብ መንጎ ግብፅን ኣሶርን ዝዝንቢ ዓሻ ርግቢ፥ ሓዊኡ ለይቲ ምሉእ ዝሓድር እቶን። ነገስታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ይወድቁ፥ ናብ ኣቦና ዝፅውዕ ድማ የለን። ክቤዝዎም ከም ዝደለኹ ይብል፥ ንሳቶም ግና ኣብክንዲ ምምላስ ኣብ ዓራውቶም የእውዩ።

ምዕራፍ 7።

ንእስራኤል ከሕዊ ክደሊ እንተለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬም ይቕላዕ፥ እከይ ሰማርያ ኸዓ፤ ሓሰት ይገብሩ እዮም እሞ፤ እቲ ሰራቒ ሰይሩ ይኣቱ፥ እቶም ወረርቲ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ይዘምቱ። ኣብ ልቦም ግና ኣይብሉን፥ ኵሉ እከዮም ከም ዝዝክር። ሕዚ ግብርታቶም ከበብዎም፤ ኣብ ቅድሚ ገፀይ ኣለዉ።

ብእከዮም ንንጉስ የሐጕስዎ፥ ንመሳፍንቲ ኸዓ ብሓሰቶም። ኵላቶም ዘመውቲ እዮም፥ ከምቲ ኣሰናዳዪ ምግቢ ዘውዐዮ እቶን፤ ንሱ ነቲ ሓዊ ምጕህሃር የቋርፅ፤ ካብ ምልዋስ ብሑቕ ኣትሒዙ ኽሳዕ ዝበዅዐ። ብመዓልቲ ንጉስና መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ሓመሙ፤ ንሱ ኢዱ ምስ መላገፅቲ ኣጋጠመ። ልቦም ከም እቶን እናነደደ ይቐርቡ እዮም እሞ፥ እናተፀናተዉ፤ ለይቲ ምሉእ ቍጥዖኦም እናጓሃረ ይሓድር፤ ንግሆ ኸዓ ከም ዝንበልብል ሓዊ ይውላዕ። ኵላቶም ከም እቶን ውዑያት እዮም፥ ነሕሉቖም ከዓ ይበልዕዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወደቑ፤ ካባታቶም ናባይ ዝፅውዕ የለን።

ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ይሕወስ፤ ኤፍሬም ዘይተገላበጠ ቕጫ እዩ። ጓኖት ሓይሉ ይበልዑ፥ ንሱ ግና ኣይፈልጥን፤ ሲበት ኣብ ልዕሊኡ ተነፅገ፥ ንሱ ግና ኣይፈልጦን። ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገፁ ይምስክር፥ ኣብዝ ዅሉ ግና ናብ ኣቦኦም ኣይምለሱን፥ ኣይደልይዎን ከዓ።

ኤፍሬም ከም ርግቢ ኮነ፥ ዓሻን ኣእምሮ ዘይብሉ፤ ናብ ግብፂ ይፅውዕ፥ ናብ ኣሶር ይኸይድ። ክኸዱ እንተለዉ፥ መርበበይ ኣብ ልዕሊኦም ክዝርግሕ እየ፤ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም እየ። ከምቲ ንጉባኤኦም ዝተነገሮ ኽቐፅዖም እየ።

ወይለኦም፥ ካባይ ረሒቖም እዮም እሞ! ጥፍኣት ንኣኣቶም፥ ኣባይ ዓሚፆም እዮም እሞ! ክቤዝዎም ደለኹ፥ ንሳቶም ግና ኣባይ ሓሰት ይዛረቡ ኣለዉ። ብልቦም ናባይ ኣይጠርዑን፥ ኣብ ዓራውቶም ግና የእውዩ፤ ምእንቲ እኽልን ሓዲሽ ወይንን ነብሶም ይባሕጭሩ፤ ካባይ ይርሕቑ። a a v14 ምብሓጭር ሰብነት ካብቲ ኣረማዊ ናይ ከነዓን ስርዓተ ፅንሲ ሓደ ኽፋል ነበረ፥ ነቶም ኣማልኽቲ ህቦብላ እኽልን ወይንን ምእንቲ ኽልምኑ ዝፍፀም — እዙይ ከዓ ነቲ ካብ ልቢ ናብ ኣቦ ምጥራዕ ዝፃረር እዩ። ንቐላፅሞም መሃርኩን ኣበርታዕኩን እኳ እንተ ኾንኩ፥ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ ይምህዙ። ይምለሱ፥ ግና ንላዕሊ ኣይኮነን፤ ከም ላሕላሕ ዝበለ ቀስቲ ኮኑ። መሳፍንቶም ብሰይፊ ክወድቁ እዮም፤ ስለ ድፍረት ልሳኖም፤ እዙይ ኣብ ምድሪ ግብፂ መላገፂ ክገብሮም እዩ።