ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ተስፋ ኣቦ ንናቱ ህዝቢ

ኣብ ዘይተራእየ ዓይነት ፀበባ ሚካኤል ይትስእ፤ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ድማ ይበራበሩ፦ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኦም ናብ ውርደት። ዳንኤል ክሳዕ መዓስ ኢሉ ይሓትት፤ ነቲ መፅሓፍ ክሕትም ድማ ይእዘዝ። ነቲ ዝደለዮ መልሲ ኣይረኸበን፤ እዙይ ጥራሕ ደኣ፦ ናብ መንገድኻ ኪድ፥ ዕረፍ፥ ነቲ ኣቦኻ ዘተስፈወካ ርስቲ ድማ ተስእ።

ምዕራፍ 12።

በቲ ጊዜ እቲ ድማ ሚካኤል፥ እቲ ንደቂ ህዝብኻ ዝሕሉ ዓብዪ መስፍን ክትስእ እዩ። ህዝብታት ካብ ዝጅመሩ ክሳዕ ሽዑ ዘይተራእየ ዓይነት ፀበባ ክኸውን እዩ። በቲ ጊዜ እቲ ድማ ህዝብኻ፥ እቶም ኣብ መፅሓፍ ዝተፀሐፉ ዅሎም፥ ክድሕኑ እዮም። ኣብ ሓመድ ምድሪ ደቂሶም ዘለዉ ብዙሓት ክበራበሩ እዮም፤ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኦም ድማ ናብ ውርደትን ናይ ዘለኣለም ንዕቐትን። እቶም ጠቢባን ከም ብርሃን ሰማይ ከብርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመልሱ ድማ፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክኾኑ እዮም። ንስኻ ግና ኦ ዳንኤል፥ ነዝ ቃላት እዚ ዕፆ፥ ነቲ መፅሓፍ ድማ ክሳዕ ጊዜ መወዳእታ ሕተሞ። ብዙሓት ንየን ነዘን ክመላለሱ እዮም፤ ፍልጠት ድማ ክበዝሕ እዩ።

ሽዑ ኣነ ዳንኤል ጠመትኩ፤ ክልተ ኻልኦት ድማ ደው ኢሎም ርኣኹ፤ ሓደ በዝ ወሰን ፈለግ፥ እቲ ሓደ ድማ በቲ ሓደ ወሰን ፈለግ ነበረ። ሓደ ኸዓ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ፈለግ ዝነበረ፥ ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ “እዝ ተኣምራት እዚ ክሳዕ መዓስ ክውዳእ እዩ?” ኢሉ ሓተቶ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ፈለግ ዝነበረ፥ ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ ሰማዕኹ፤ ንሱ ኸዓ የማናይ ኢዱን ፀጋማይ ኢዱን ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፥ በቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ ንሓደ ዘመን፥ ንዘመናት፥ ንፈረቓ ዘመንን እዩ፤ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ናይ ምብትታን ምስ ተወድአ ድማ፥ እዝ ኵሉ ነገር እዚ ክውዳእ እዩ። a a v7 እቲ ማሕላ ዝተመሓለሉ ዘለኣለማዊ፥ እቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ፥ እቲ ናይ ኵሉ ዘመናት መጀመርታን መወዳእታን ዝኾነ ኣቦና እዩ።

ኣነ ድማ ሰማዕኹ፥ ግና ኣየስተውዓልኩን እሞ፥ “ጐይታይ፥ መወዳእታ እዝ ነገር እዚ እንታይ እዩ?” በልኩ።

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ዳንኤል፥ ኪድ፤ እቲ ቃላት ክሳዕ ጊዜ መወዳእታ ተዓፅዩ ተሓቲሙን ኣሎ እሞ። ብዙሓት ክነፅሁን ክፀዓዱን ክፅረዩን እዮም፤ እቶም ሓጢኣተኛታት ግና ክፉእ ክገብሩ እዮም። ካብቶም ሓጢኣተኛታት ሓደ እኳ ኣየስተውዕልን እዩ፥ እቶም ጠቢባን ግና ከስተውዕሉ እዮም።

ካብቲ ናይ ዕለት መስዋእቲ ዝለዓለሉን እቲ ዘባድም ርዅሰት ዝተተኸለሉን ጊዜ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ። እቲ ዝፅበ ናብ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዝበፅሕ ብፁእ እዩ።

ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኪድ። ክተዕርፍ ኢኻ፤ ሽዑ ኣብ መወዳእታ እተን መዓልቲታት ንርስትኻ ደው ክትብል ኢኻ።”