ኣቦና ንቤት ዳዊት የፅንዖ
ኪራም ንዳዊት ቤተ መንግስቲ ይሰርሓሉ፥ ስድራ ቤቱ ይበዝሕ፥ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ነቲ ሕዚ ዝተቐብአ ንጉስ ክደልዩ ይመፁ። ዳዊት ድማ ክልተ ጊዜ ቅድም ንኣቦና ይሓትት፤ ክልተ ጊዜ ድማ ይምለሰሉ፥ በቲ ኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ኣእዋም ድምፂ ገስጋስ ክሳዕ ዝሰምዕ ክፅበ ተነገሮ።
14 1ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት፥ ኦም ፅሕድን ወቐርቲ እምንን ፀረብትን፥ ቤት ክሰርሑሉ ሰደደሉ። 2ዳዊት ድማ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከም ዝገበሮ ፈለጠ፤ ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል መንግስቱ ልዕል ኢላ ስለ ዝተለዓለት።
3ዳዊት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ። 4ስም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱ ደቁ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ 5ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤልጴሌጥ፥ 6ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥ 7ኤሊሳማ፥ ብዓልያዳ፥ ኤሊፋላት እዮም።
ኣቦና ንፍልስጥኤማውያን የፍርስ
8ፍልስጥኤማውያን ድማ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ኸም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ንዳዊት ክደልዩ ደዪቦም ወፁ። ዳዊት ከዓ ሰሚዑ ክገጥሞም ወፀ። 9ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ንለሰ ራፋይም ወረርዎ።
10ዳዊት ድማ ንኣቦና “ናብ ፍልስጥኤማውያን ክድይብዶ? ኣብ ኢደይከ ኣሕሊፍካ ትህበኒ?” ኢሉ ጠየቐ። ኣቦና ኸዓ “ደይብ፤ ኣብ ኢድካ ኸኣሕልፎም እየ” በሎ።
11ናብ በኣልፐራሲም ድማ ደዪቦም፤ ዳዊት ከዓ ኣብኣ ወቕዖም። ዳዊት ድማ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ ኣቦና ንፀላእተይ ብኢደይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ድማ ነታ ቦታ በኣልፐራሲም ኢሎም ሰመይዋ። a a v11 በኣልፐራሲም ማለት “እቲ ዘፍርስ ጐይታ” ማለት እዩ። 12ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣማልኽቶም ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊት ከዓ ኣዘዘ እሞ ብሓዊ ኣንደድዎም።
13ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ነቲ ለሰ ወረርዎ።
14ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣቦና ጠየቐ፤ ኣቦና ኸዓ ከምዙይ በሎ፦ “ደድሕሪኦም ኣይትደይብ። ዘይርካ ብድሕሪኦም ኪዶም፤ ብመንፅር እቲ ሳጋሉ ተጋጠሞም። 15ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ድምፂ ሰልፊ ምስ ሰማዕኻ፥ ሽዑ ናብ ውግእ ውፃእ፤ ኣቦኻ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖም ቅድሜኻ ወፂኡ እዩ እሞ።”
16ዳዊት ከዓ ኸምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ወቕዕዎም። 17ዝና ዳዊት ድማ ናብ ኵለን ሃገራት ተዘርግሐ፤ ኣቦና ኸዓ ፍርሃቱ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኣውደቐ።