ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እስራኤል ንኣቦና ኽደሊ ወሰነ

ዳዊት ንዅሉ ሰብ ኣማኺሩ፥ ነቲ ዝተዘንግዐ ታቦት ኣቦና ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ጌይሩ የግዕዞ። እቶም ኣብዑር ምስ ተዓንቀፉ ዖዛ ድማ ነቲ ታቦት ምስ ሓዞ፥ ኣብኡ ብኡብኡ ሞተ። ግብረ መልሲ ዳዊት ቍጥዓ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ፍርሓት እዩ፤ እቲ ታቦት ድማ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ይቕመጥ — ኣብኡ ድማ እታ ስድራ ቤት ትባረኽ።

ምዕራፍ 13።

ዳዊት ድማ ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ምስ ኵሎም ሹመኛታት ተማኸረ። ዳዊት ድማ ንብዅሉ ማሕበር እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ንኣኻትኩም ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእዩ፥ ካብ ኣቦናውን እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ዝተረፉ ኣሕዋትና፥ ምሳታቶም ከዓ ናብቶም ኣብ ከተማታቶምን መዋፈሪአንን ዘለዉ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ናባና ክእከቡ መልእኽቲ ናብ ኵሉ ሸነኽ ንስደድ። ታቦት ኣቦና ናባና ንመልሶ፤ ብዘመን ሳኦል ኣይደለናዮን ኢና እሞ።”

ኵሉ እቲ ማሕበር ድማ ከምኡ ክገብር ተሰማምዑ፤ እቲ ነገር ንብዅሉ እቲ ህዝቢ ቅኑዕ ኮይኑ ተራእይዎ እዩ እሞ።

ዳዊት ድማ ንታቦት ኣቦና ካብ ቂርያትይዓሪም ምእንቲ ከምፅእ፥ ንብዅሉ እስራኤል ካብ ሺሖር ግብፂ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ኣከቦም።

ዳዊት ድማ ምስ ኵሉ እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝተቐመጠ፥ ስሙ ዝፅዋዓሉ ታቦት ኣቦና ካብኡ ምእንቲ ከደይብዎ፥ ናብ በዓላ፥ ናብ ቂርያትይዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ። ነቲ ታቦት ኣቦና ድማ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ጌይሮም ካብ ቤት ኣሚናዳብ ኣውፅእዎ፤ ዖዛን ኣሕዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። ዳዊትን ኵሉ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብምሉእ ሓይሎም፥ ብመዝሙራትን ብመሰንቆን በገናን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸትን እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ።

ናብ ዓውዲ ኪዶን ምስ በፅሑ ድማ፥ እቶም ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ክሕዞ ኢዱ ዘርግሐ። ሽዑ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሐ ድማ ቐተሎ፤ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሞተ። ዳዊት ድማ፥ ኣቦና ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ ሓዘነ፤ ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ “ስብራት ዖዛ” ትብሃል ኣላ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣቦና ፈርሐ እሞ፥ “ንታቦት ኣቦና ከመይ ጌይረ ናባይ ከምፅእ?” በለ። ስለዙይ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ኣየእተዎን፤ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣግለሶ። ታቦት ኣቦና ድማ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ምስ ስድራ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ኣቦናውን ንስድራ ቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ባረኸ።