መዝሙር 59
ንመራሒ መዘምራን። ብዜማ “ኣይተጥፍእ”። ናይ ዳዊት ወርቃዊ መዝሙር፥ ሳኦል ንምቕታሉ ኢሉ ቤቱ ክሕልዉ ሰባት ምስ ለኣኸ።
ሰባት ሳኦል ንቤት ዳዊት የድብዩ ኣለዉ። ከም መጓሰ ኣኽላብ፥ ምሸት ምሸት ተመሊሶም ዝዘውሩ፥ እንተ ዘይፀገቡ ኸዓ ዘጕረምርሙ ገይሩ ይስእሎም። መልሱ ግና ኣብ ክንድኡ ብንግሆ ምዝማር እዩ፥ ነቦኡ ዕርደይ እናበለ።
59 1ኦ ኣቦይ፥ ካብ ፀላእተይ ኣናግፈኒ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝለዓሉኒ ብድሕንነት ኣልዕለኒ። 2ካብቶም ክፉእ ዝገብሩ ኣናግፈኒ፤ ካብ ቀተልቲ ሰባት ከዓ ኣድሕነኒ። 3እንሆ፥ ንህይወተይ ኣድብዮም ይፅበዩ ኣለዉ፤ ጨካናት ሰባት ኣባይ ውግእ ይገብሩ ኣለዉ፤ ኦ ኣቦይ፥ ኣነ ግና ገበን ኣይገበርኩን፥ ሓጢኣትውን ኣይፈፀምኩን። 4ብዘይ ገበነይ፥ ጐይዮም ይስለፉ ኣለዉ። ተንሲእካ ርደአኒ፥ ርአ ኸዓ!
5ንስኻ፥ ኦ ኣቦይ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ተንሲእካ ንዅሎም ኣህዛብ ቕፃዓዮም፤ ንዅሎም እቶም ብተንኰል ክፉእ ዝሓስቡ ኣይትምሓሮም። 6ምሸት ምሸት ይምለሱ፥ ከም ኣኽላብ እናነብሑ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ይዞሩ። 7እንሆ፥ ካብ ኣፎም ሕንዚ ይፈስስ፤ ኣስይፍቲ ኣብ ከናፍሮም ኣለዉ፤ “መን ንዓና ይሰምዕ?” ኢሎም ይሓስቡ ኣለዉ እሞ። 8ንስኻ ግና፥ ኦ ኣቦይ፥ ትስሕቐሎም ኢኻ፤ ንዅሎም ኣህዛብ ከዓ ተላግፀሎም ኢኻ። 9ኦ ሓይለይ፥ ኣባኻ እፅበ ኣለኹ፤ ኣቦይ ዕርደይ እዩ እሞ። 10ኣቦይ ብምሕረቱ ክራኸበኒ ይመፅእ እዩ፤ ኣቦይ ነቶም ዘሕምዩኒ ተሳዒሮም ከም ዝርእዮም ክገብር እዩ። 11ኣይትቕተሎም፥ ህዝበይ ከይርስዕ፤ ብሓይልኻ ኰለል ኣቢልካ ኣውድቆም፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ዋልታ ናትና። 12ስለ ሓጢኣት ኣፎም፥ ስለ ቃላት ከናፍሮም፥ ብትዕቢቶም ይተሓዙ፤ ስለ እቲ ዝዛረብዎ መርገምን ሓሶትን።
13ብቝጥዓ ኣጥፍኣዮም፥ ክሳዕ ዘይህልዉ ኣጥፍኣዮም፥ ኣቦና ኣብ ያእቆብ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ኸም ዝገዝእ፥ ሰባት ምእንቲ ኽፈልጡ። 14ምሸት ምሸት ይምለሱ፥ ከም ኣኽላብ እናነብሑ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ይዞሩ። 15ምግቢ ንምድላይ ይዛወሩ፥ እንተዘይፀገቡ ኸዓ የጕረምርሙ። 16ኣነ ግና ብዛዕባ ሓይልኻ እዝምር፤ ንግሆ ኸዓ ብዛዕባ ምሕረትካ ዓው ኢለ እዝምር። ንስኻ ዕርደይ ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ብጊዜ መከራይ መዕቘቢ ኴንካ ኢኻ። 17ኦ ሓይለይ፥ ክዝምረልካ እየ፤ ኣቦይ ዕርደይ እዩ እሞ፥ ኣቦና እቲ ምሕረት ዘርእየኒ።