ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክፉኣት ኣሕሉቕ

ንመራሕ መዘምራን፤ በ“ኣይተጥፍእ” ዜማ ዝዝመር። ናይ ዳዊት። ወርቃዊ መዝሙር።

ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መንበር ፍርዲ ግፍዒ ዘውፅኡ ፈረድቲ ዝቐርብ ክሲ። ከም ተመን መርዛማት፥ ድምፂ መሳሕር ዝኣበየ ፀማም መንደላይ ተመን ተባሂሎም። እቲ ፀሎት ኣስናኖም ክስበር ይልምን፥ ሰባት ኣቦና ንምድሪ ኸም ዝፈርዳ ኣግሂዶም ምእንቲ ኽብሉ።

ምዕራፍ 58።

ኣቱም ኣሕሉቕ፥ ብሓቂ ቅኑዕ ነገር ትእዝዙዶ? ንደቂ ሰብከ ብቕንዕና ትፈርዱዶ? a a v1 “ኣይተጥፍእ” ዝብል፥ ስም እቲ እዝ መዝሙር እዙይ ዝዝመረሉ ዝነበረ ዜማ እዩ። ኣይፋሉን፥ ብልብኹም ዓመፅ ትሓስቡ፤ ኣእዳውኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግፍዒ ይገብራ። እቶም ክፉኣት ካብ ማህፀን ተፈልዮም እዮም፤ ካብ ምውላዶም ይስሕቱ፥ ሓሶት ይዛረቡ። ሕንዞም ከም ሕንዚ ተመን እዩ፤ ከምቲ እዝኑ ዝዓፀወ ፀማም መንደላይ ተመን፥ ድምፂ ኣስሓርቲ ከይሰምዕ፥ ወይ ድማ ድምፂ እቲ ጐራሕ መሳሕር። ኦ ኣቦና፥ ነቲ ኣብ ኣፎም ዘሎ ኣስናን ስበሮ፤ ኦ ኣቦና፥ ኣስናን እቶም ናእሽቱ ኣናብስ ንቀሎ! ከምቲ ዝውሕዝ ማይ ይጥፍኡ፤ ኣቦና ፍላፃታት ምስ ኣቕንዐ፥ ይቑረፁ። ከምቲ እናተንቀሳቐሰ ዝመክኽ ቀንሸሎ፥ ከምቲ ንፀሓይ ከቶ ዘይረአ ብምዉቱ ዝተወልደ ህፃን። ድስትታትኩም ረስኒ እሾዅ ከይተፈለጠን ከሎ፥ ጥረ ይኹን ወይ ዝቃፀል፥ ክፅርጎም እዩ። ፃድቕ ፍትሒ ምስ ረአየ ክሕጐስ እዩ፤ ኣእጋሩ ኣብ ደም ክፉኣት ክሕፅብ እዩ። ሰባት ድማ ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ “ብሓቂ ንፃድቕ ዓስቢ ኣሎ፤ ብሓቂ ንምድሪ ዝፈርድ ኣቦና እዩ።”