ሚክታም ዳዊት ኣብ በዓቲ
ንመራሒ መዘምራን። “ኣይተጥፍእ” ብዝብል ዜማ። ዳዊት ካብ ሳኦል ናብ በዓቲ ምስ ሃደመ፥ ዝበሎ ወርቃዊ መዝሙር ዳዊት።
ኣብ ዋሻ ተሓቢኡ ሳኦል እናሃደኖ፥ ዳዊት ኣብ ማእኸል ኣስናኖም ኵናት ልሳኖም ድማ ሰይፊ ዝኾነ ሰባት ይድቅስ። እቲ ህቦብላ ክሳዕ ዝሓልፍ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣቦኡ ይዕቆብ፥ ሽዑ ቕድሚ ወጋሕታ መሰንቆን በገናን የበራብር፥ ገና ገለ ኸይተቐየረ ኸሎ ልቡ ፅኑዕ እዩ።
57 1ኦ ኣቦይ፥ መሓረኒ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ብኣኻ ትዕቆብ እያ እሞ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ፥ እቲ ዘጥፍእ ህቦብላ ክሳዕ ዝሓልፍ ክዕቆብ እየ። 2ናብ ኣቦይ፥ ናብቲ ልዑል እፅውዕ፤ ናብቲ ምእንታይ ኵሉ ዝፍፀም ኣቦና።
3ካብ ሰማይ ልኢኹ ከድሕነኒ እዩ፤ ነቲ ዝረግፀኒ ይገንሖ። ኣቦይ ምሕረቱን ሓቅነቱን ክልእኽ እዩ። 4ነፍሰይ ኣብ ማእኸል ኣናብስ ኣላ፤ ሓዊ ኣብ ዘስተንፍሱ ማእኸል እድቅስ፤ ኣስናኖም ኵናትን ፍላፃታትን ዝኾኑ ሰባት፥ ልሳኖም ድማ በሊሕ ሰይፊ እዩ። 5ኦ ኣቦይ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል! ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ይኹን!
6ንኣካይዳይ መርበብ ዘርግሑለይ፤ ነፍሰይ ድማ ተደቚሰት። ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ዀዓቱ፤ ባዕሎም ግና ኣብኡ ወደቑ። 7ልበይ ፅኑዕ እዩ፥ ኦ ኣቦይ፥ ልበይ ፅኑዕ እዩ! ክዝምርን ክቕነን እየ። 8ንቒ፥ ኦ ክብረይ! ንቕኡ፥ ኦ መሰንቆን በገናን! ንወጋሕታ ከበራብሮ እየ። 9ኣብ ማእኸል ህዝብታት አመስግነካ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ እዝምረልካ። 10ምሕረትካ ክሳዕ ሰማያት በፂሑ እዩ እሞ፤ ሓቅነትካ ድማ ክሳዕ ደመና። 11ኦ ኣቦይ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል! ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ይኹን!