ስሙ ኣመስግኑ
ምስጋና ኣብ መረጋገፂ ዝተሃንፀ፦ ኣቦና ኣብ ባሕርን ሰማይን ዝደለዮ ዅሉ ይገብር፥ ንግብፂ ወቕዐ፥ ንሴዎንን ንኣግን ኣውሪዱ ምድሮም ኣሕለፈ። ምስኡ ኽረአ ኸሎ፥ ከንቱ ኣፍን ኣዒንትን ዘለዎም ጣዖታት ንሰራሕቶም ልክዕ ከምኡ ባዶ ይገድፍዎም።
135 1ሃሌሉያ! ስም ኣቦና ኣመስግኑ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣቦና፥ ኣመስግንዎ፥ 2ኣቱም ኣብ ቤት ኣቦና እተገልግሉ፥ ኣብ ኣፀድ ቤት ኣቦና።
3ኣቦና ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ንኣቦና ኣመስግንዎ፤ ባህ ዘብል እዩ እሞ፥ ንስሙ ዘምሩ። 4ኣቦና ንያእቆብ ንርእሱ፥ ንእስራኤል ድማ ፍሉይ ገንዘቡ ክኸውን መሪፅዎ እዩ እሞ።
5ኣቦና ዓብዪ ምዃኑ እፈልጥ እየ እሞ፥ ጐይታና ኸዓ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ልዑል እዩ። 6ኣቦና ዝደለዮ ዅሉ፥ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ኵሉ መዓሙቑን ገበሮ። 7ንደመና ኻብ ወሰናት ምድሪ የደይቦ፤ ንዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንፋስ ድማ ካብ ማዕኸናቱ የውፅእ።
8ንበዅሪ ግብፂ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ወቕዐ። 9ኣቲ ግብፂ፥ ምልክታትን ተኣምራትን ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኵሎም ባሮቱን ለኣኸ። 10ንብዙሓት ህዝብታት ወቕዐ፤ ንሓያላት ነገስታት ከዓ ቐተለ። 11ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ንኣግ ንጉስ ባሳን፥ ንዅለን መንግስታት ከነዓንን። 12ንምድሮም ከዓ ርስቲ ጌሩ ሃበ፥ ንህዝቡ እስራኤል ርስቲ።
13ኦ ኣቦ፥ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር፤ ኦ ኣቦ፥ ዝናኻ ኸዓ ንውሉድ ወለዶ ዅሉ ይነብር። 14ኣቦና ንህዝቡ ኽብይን እዩ እሞ፥ ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ።
15ጣዖታት ኣህዛብ ብሩርን ወርቅን እዮም፥ ዕዮ ኣእዳው ሰብ እዩ። 16ኣፍ ኣለዎም፥ ግና ክዛረቡ ኣይኽእሉን፤ ኣዒንቲ ኣለዎም፥ ግና ክርእዩ ኣይኽእሉን፤ 17ኣእዛን ኣለዎም፥ ግና ክሰምዑ ኣይኽእሉን፤ ኣብ ኣፎም ከዓ ምንም እስትንፋስ የለን። 18እቶም ዝሰርሕዎም ከማታቶም ይኾኑ፥ እቶም ዝተኣመንዎም ዅሎምውን ከምኡ ይኾኑ።
19ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንኣቦና ባርኽዎ፤ ኣቱም ቤት ኣሮን፥ ንኣቦና ባርኽዎ፤ 20ኣቱም ቤት ሌዊ፥ ንኣቦና ባርኽዎ፤ ኣቱም ንኣቦና እትፈርሑ፥ ንኣቦና ባርኽዎ። 21ኣቦና ኻብ ፅዮን ይባረኽ፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር። ሃሌሉያ!