ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዕዝራ ንሕጊ ዓው ኢሉ የንብብ

እቶም ህዝቢ ባዕላቶም ሕጊ ኣቦና ለመኑ፥ ዕዝራ ኻብ ወጋሕታ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ እናንበበ ድማ ደው በሉ፥ ሌዋውያን ከዓ ትርጕሙ ይገልፁ ነበሩ። በቲ ዝሰምዕዎ ይበኽዩ ነበሩ፥ ኣብ ክንድኡ ግና ክምገቡን ምግቢ ኽማቐሉን ክሕጐሱን ተነገሮም፥ ሽዑ ኸዓ ነቲ በዓል ብ ቈፃል ዳሳት ኣኽበሩ።

ምዕራፍ 8።

ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኣብቲ ቅድሚ ደገ ማይ ዝነበረ ኣደባባይ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ተኣከቡ፤ ነቲ ኣቦና ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ከምፅእ ድማ ንዕዝራ ፀሓፊ ለመንዎ። ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ፥ ዕዝራ ካህን ነቲ ሕጊ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ሰብኡትን ኣንስትን እቶም ዝሰምዕዎ ከስተውዕል ዝኽእሉ ዅሎምን ኣምፅኦ። ገፁ ናብቲ ቅድሚ ደገ ማይ ዝነበረ ኣደባባይ ኣቢሉ ድማ፥ ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ነቶም ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕል ዝኽእሉ ዅሎምን ኣንበበሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣፀቢቖም ይሰምዑ ነበሩ። ዕዝራ ፀሓፊ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ኢሎም ኣብ ዝሰርሕዎ በሪኽ ናይ ዕንፀይቲ መድረኽ ደው በለ። ኣብ የማን ድማ ማቲትያ፥ ሸማዕ፥ ዓናያ፥ ኦርዮ፥ ሒልቅያ፥ መዓስያ ደው በሉ፤ ኣብ ፀጋሙ ድማ ፍዳያ፥ ሚሳኤል፥ መልክያ፥ ሃሱም፥ ሃስበዳና፥ ዘካርያስ፥ መሱላም ደው በሉ። ዕዝራ ድማ ካብ ኵሎም እቶም ህዝቢ ልዕል ኢሉ ደው ስለ ዝበለ፥ ነቲ መፅሓፍ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸፈተ፤ ምስ ከፈተ ድማ ኵሎም ደው በሉ። ዕዝራ ድማ ንኣቦና፥ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኣመስገኖ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ኣእዳዎም ኣልዒሎም “ኣሜን! ኣሜን!” ኢሎም መለሱ። ሽዑ ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንኣቦና ሰገዱሉ።

እቶም ሌዋውያን፥ ማለት ዮሱእ፥ ባኒ፥ ሰረብያ፥ ያሚን፥ ዓቁብ፥ ሻበታይ፥ ሆድያ፥ መዓስያ፥ ቀሊጣ፥ ኣዛርያስ፥ ዮዛባድ፥ ሓናን፥ ፈላያ ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኣብ ቦታኦም ደው ኢሎም እንተለዉ ነቲ ሕጊ ኣረድእዎም። ነቲ መፅሓፍ፥ ንሕጊ ኣቦና፥ ግልፅ ጌሮም ኣንበብዎ፤ ትርጕሙ እናሃቡ ድማ እቶም ህዝቢ ነቲ ንባብ ኣስተውዓሉ።

ሽዑ ነህምያ እቲ ሹም፥ ዕዝራ ካህንን ፀሓፊን፥ እቶም ንህዝቢ ዝምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ድማ ንዅሎም “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንኣቦኻትኩም ቅድስቲ እያ። ኣይትሕዘኑ ኣይትብከዩ” በልዎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ቓል ሕጊ ሰሚዖም ይበኽዩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ነህምያ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ኪዱ እሞ ረጒድ ብልዑ፤ ጥዑም ድማ ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወሎም ዘይብሎም ከዓ ገፀ በረኸት ስደዱሎም፤ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታ ኣቦና ቅድስቲ እያ እሞ። ኣይትሕዘኑ፤ ሓጐስ ኣቦና ሓይልኹም እዩ እሞ።”

እቶም ሌዋውያን ድማ “ፀጥ በሉ፥ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፤ ኣይትሕዘኑ” እናበሉ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣህድኡዎም።

ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ እተፈልጦም ቃላት ስለ ዘስተውዓሉ፥ ክበልዑን ክሰትዩን ገፀ በረኸት ክመቓቐሉን ብዓብዪ ሓጐስ ክሕጐሱን ከዱ።

በዓል ዳስ ምብዓል

በታ ካልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ሓለቕቲ ቤተ ሰብ ኵሎም እቶም ህዝቢ፥ ምስ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ንቓል እቲ ሕጊ ከፅንዑ ናብ ዕዝራ ፀሓፊ ተኣከቡ። ኣብቲ ሕጊ ድማ፥ ኣቦና ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ ደቂ እስራኤል በቲ ናይ ሻውዐይቲ ወርሒ በዓል ኣብ ዳሳት ክነብሩ ኸም ዝግባእ ተፅሒፉ ረኸቡ። ኣብ ኵለን ከተማታቶምን ኣብ ኢየሩሳሌምን ድማ ከምዙይ ኢሎም ከውጁን ከዕውጁን ነበሮም፦ “ናብ እምባታት ደይብኩም፥ ዳሳት ንምግባር፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ጨናፍር ኣውሊዕን ጨናፍር በረኻ ኣውሊዕን ጨናፍር ኣስን ጨናፍር ተምርን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋምን ኣምፅኡ።”

እቶም ህዝቢ ድማ ወፂኦም ጨናፍር ኣምፂኦም፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ናሕሲ ገዝኡን ኣብ ቅፅርታቶምን ኣብ ቅፅሪ ቤት ኣቦናን ኣብ ኣደባባይ ደገ ማይን ኣብ ኣደባባይ ደገ ኤፍሬምን ዳሳት ሰርሑ። ብምሉኡ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመለሰ ጉባኤ ድማ ዳሳት ሰሪሑ ኣብተን ዳሳት ተቐመጠ፤ ደቂ እስራኤል ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸምኡ ገይሮም ኣይፈልጡን ነይሮም፤ ሓጐሶም ድማ የመና ዓብዪ ነበረ። ዕዝራ ድማ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ፥ መዓልቲ መዓልቲ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣቦና የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ከምቲ እቲ ሕጊ ዝጠልቦ፥ ቅዱስ ጉባኤ ገበሩ።