ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣዛጦን ናብ ኢድ ኣሶር ወደቐት

ኣቦና ንኢሳይያስ ወጮኡን ኣሳእኑን ኣውፂኡ ንሰለስተ ዓመት ጥራሑን ጥራሕ እግሩን ክመላለስ ነገሮ — ሕያው ስእሊ ናይቶም ተቓሊዖም ዝውሰዱ ምሩኻት። እዙይ ነቲ ይሁዳ በቶም ኪዳን ዝኣተዎም ዝገበሮ ትውክልቲ ዝዓለመ እዩ። እታ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ኸመይ ኢላ ኸም እትመልጥ ትሓትት።

ምዕራፍ 20።

ኣብታ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ዝለኣኾ ሓለቓ ሰራዊት ናብ ኣዛጦን ዝመፀላ ዓመት፥ ንኣዛጦን ተዋጊኡ ሓዛ።

በቲ ጊዜ እቲ ኣቦና ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ገይሩ ከምዙይ ተዛረበ፦ “ነቲ ኣብ ሕቘኻ ዘሎ ወጮ ፍታሕ፤ ኣሳእንካ ኸዓ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።” ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፤ ጥራሑ ኮይኑ ጥራሕ እግሩን ተመላለሰ። ኣቦና ድማ ከምዙይ በለ፦ “ከምቲ ባርያይ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ኵሽ ድማ ንምልክትን ንመደነቕን ኢሉ ንሰለስተ ዓመት ጥራሑ ኮይኑ ጥራሕ እግሩን ዝተመላለሰ፥ a a v3 ኵሽ፥ ነቲ ሕዚ ሱዳንን ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ዝሽፍንዎ ቦታ፥ ጥንታዊ ስሙ እዩ። ከምኡ ድማ ንጉስ ኣሶር ንምሩኻት ግብፂ፥ ንስደተኛታት ኵሽ ድማ፥ ንኣሽቱን ዓበይትን፥ ጥራሖም፥ ጥራሕ እግሮም፥ መቐመጫኦም ተቓሊዑ፥ ንሕፍረት ግብፂ እናገለፀ ይወስዶም። ሽዑ ብሰንኪ ኵሽ ተስፋኦምን ግብፂ ትምክሕቶምን ክሰናበዱን ክሓፍሩን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ እዛ ገምገም ባሕሪ እዚኣ ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ ‘እንሆ፥ ካብ ንጉስ ኣሶር ክንድሕን ኢልና ንሓገዝ ናብኡ ዝሃደምናዮ ተስፋ ከምዙይ ኮይኑ እዩ! ንሕና ደኣ ኸመይ ኢልና ኽንመልጥ ኢና?’”