ራእይ በረኻ ባሕሪ
ራእይ ካብ ጐይታ ኣቦ ነቲ ነቢይ ብፃዕሪ ሕርሲ ኣጕንበሶ፥ ሰባት ክሳዕ እቲ መጠንቀቕታ ዝለዓል ክበልዑ እንተለዉ እናጠመተ። ሓላዊ ተቐመጠ፥ ፈረሰኛታት ምስ መፁ ድማ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ዓው ኢሉ ፀውዐ። ለይቲ ኸመይ ከም ዘላ ምስ ተሓተ፥ ንግሆ ይመፅእ ኣሎ፥ ለይቲ ድማ ኢሉ መለሰ።
21 1ትንቢት በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ኣብ ደቡብ ዝሓልፍ ህቦብላ፥ ካብ በረኻ፥ ካብ ዜፍርህ ምድሪ ይመፅእ። 2ኸቢድ ራእይ ተራእየኒ፤ እቲ ጠላሚ ይጠልም፥ እቲ መጥፍኢ ድማ የጥፍእ። ኦ ዔላም፥ ደይብ! ኦ ሜዶን፥ ክበብ! ነቲ ዘምፅአቶ ዅሉ እህህታ ኣጥፊአዮ ኣለኹ። 3ስለዙይ ሕቘይ ፃዕሪ ሓዞ፤ ከምቲ ናይ ሓራስ ሰበይቲ ፃዕሪ፥ ፃዕሪ ሓዘኒ። ክሰምዕ ዘይኽእል ኮይነ ተጐምበስኩ፤ ክርኢ ዘይኽእል ኮይነ ተሸበርኩ። 4ልበይ ተደናገረ፤ ራዕዲ ሸበበኒ። እቲ ዝናፈቕክዎ ፅልግልግ ራዕዲ ኮነኒ። 5ማእዲ የዳልዉ፥ ምንፀፍ ይነፅፉ፥ ይበልዑን ይሰትዩን። ኦ መሳፍንቲ፥ ተንስኡ! ንዋልታታት ቅብኡ! a a v5 ቈርበታዊ ዋልታታት ምቕባእ ልምሉም ነገረን ንውግእ ድማ ድሉው ይገብረን ነበረ፤ እዙይ ከዓ እቶም ጥንታውያን ወተሃደራት ንውግእ ዝዳለዉሉ ልሙድ ኣገባብ ነበረ።
6ጐይታ ኣቦ ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፥ ነቲ ሓላዊ ኣቑም፤ ዝርእዮ ድማ ይንገር። 7ተወጠሕቲ፥ ክልተ ክልተ ዝተሰለፉ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግ ዝተወጥሑ፥ ኣብ ኣግማል ዝተወጥሑ ምስ ረአየ፥ ኣጥቢቑ፥ የመና ኣጥቢቑ የቕልብ።”
8ሽዑ እቲ ሓላዊ ዓው ኢሉ ፀውዐ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ኣንበሳ! ኣብ ግምቢ ኵልሻዕ መዓልቲ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣብ ሓለዋይ ድማ ብዅለን ለይቲታት ተቐሚጠ ኣለኹ።” 9እንሆ ድማ፥ ተወጠሕቲ፥ ክልተ ክልተ ዝኾኑ ፈረሰኛታት ይመፁ ኣለዉ! ንሱ ድማ መሊሱ፥ “ባቢሎን ወደቐት፥ ወደቐት፤ ኵሉ ምስልታት ኣማልኽታ ድማ ኣብ ምድሪ ተሰባቢሩ ይርከብ” በለ። 10ኦ ዝተዘብጠ ህዝበይ፥ ውሉድ ዓውደይ፥ እቲ ካብ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ዝሰማዕኽዎ፥ ነጊረኩም ኣለኹ።
ኦ ሓላዊ፥ ለይቲ እንታይ ኮነት?
11ትንቢት ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሴኢር ሓደ ሰብ ናባይ ይፅውዕ ኣሎ፦ “ኦ ሓላዊ፥ ለይቲ እንታይ ኮነት? ኦ ሓላዊ፥ ለይቲ እንታይ ኮነት?” b b v11 ዱማ ማለት “ፀጥታ” ማለት እዩ፤ ነዝ ኣብ ልዕሊ ኤዶም፥ ሃገር ሴኢር፥ ዝተነግረ ትንቢት ዝሰማማዕ ኣርእስቲ እዩ። 12እቲ ሓላዊ ድማ፥ “ንግሆ ይመፅእ ኣሎ፥ ለይቲ ድማ፤ ክትጥይቕ እንተ ደሊኻ፥ ጠይቕ፤ ተመሊስካ ድማ ና” ይብል።
ብዛዕባ ዓረብ ዝተነግረ ቃል
13ትንቢት ብዛዕባ ዓረብ። ኦ ናይ ደዳናውያን ኣጓዓዝቲ፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም። 14ነቶም ፁሙኣት ማይ ኣምፅኡሎም፤ ኦ ኣብ ምድሪ ቴማ እትነብሩ፥ ነቲ ኰብላሊ እንጀራ ኣምፅኡሉ። 15ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብቲ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብቲ ዝተለጠጠ ቀስቲ፥ ካብ ክብደት ውግእ ድማ ሃዲሞም እዮም እሞ።
16ጐይታ ኣቦ ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ዕሱብ ዝቘፅሮ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፥ ኵሉ ክብሪ ቄዳር ክውዳእ እዩ። 17እቶም ዝተረፉ ቀስተኛታት፥ ጀጋኑ ደቂ ቄዳር፥ ውሑዳት ክኾኑ እዮም፤ ኣቦና ተዛሪቡ እዩ እሞ።”