ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናብ ርሑቕ ኣይትስሓቡ

እታ እትመፅእ ዓለም ንመላእኽቲ ዘይኮነ ንሰብ ስለ እተዋህበት፥ ውሉድ ድማ ስጋን ደምን ስለ ዝተማቐሉ፥ ወልድ ነቲ ስልጣን ሞት ምእንቲ ኽሰብርን ነቶም ብፍርሓት ሞት ብምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኮይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ኼውፅእን፥ ንሱውን ስጋ ተማቐለ። ባዕሉ ስለ ዝተፈተነ ኸዓ ነቶም ዝፍተኑ ይሕግዝ።

ምዕራፍ 2።

ስለዙይ ነቲ ዝሰማዕናዮ ኣዝዩ ኽንጥንቀቐሉ ይግብአና፥ እንተዘይኮነ ናብ ርሑቕ ክንስሓብ ንኽእል ኢና። እቲ ብመላእኽቲ ዝተነገረ ቓል ፅኑዕ እንተ ነይሩ፥ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ድማ ቅኑዕ ፍዳ እንተ ረኺቡ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምድሓን ሸለል እንተ ኢልና፥ ከመይ ጌርና ኢና እንመልጥ? እዙይ ቕድም ብጐይታ ተነገረ፥ በቶም ዝሰምዕዎ ድማ ናባና ተረጋገፀ፥ ኣቦናውን ከም ፍቓዱ፥ ብምልክትን ተኣምራትን ብዝተፈላለየ ሓይልን ብምክፍፋል መንፈስ ቅዱስን፥ ምሳታቶም መስከረ።

እታ እትመፅእ ዓለም

ኣቦና ነታ እንዛረበላ ዘለና እትመፅእ ዓለም፥ ንመላእኽቲ ኣየግዝኣን እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ኸምዙይ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ፦ “ሰብ፥ እትዝክሮ እንታይ እዩ? ወዲ ሰብከ፥ እትግደሰሉ እንታይ እዩ? ንእሽተይ ጊዜ ካብ መላእኽቲ ኣትሒትካዮ፤ ብኽብርን ክብረትን ኣኽሊልካዮ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዚእካሉ።” ንዅሉ ንእኡ ብምግዛእ ከዓ፥ ኣቦና ዘይተገዝኦ ሓደ እኳ ኣይገደፈን። ሕዚ ግና ኵሉ ንክርስቶስ ተገዚኡ ገና ንርኢ ኣይኮንናን።

ነቲ ንሒደት ጊዜ ካብ መላእኽቲ ዝተኣተሐ ኢየሱስ ግና፥ ሞት ስለ ዝተቐበለ ሕዚ ብኽብርን ክብረትን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣለና፤ እዙይ ድማ ብፀጋ ኣቦና ምእንቲ ኵሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኽጥዕም እዩ።

ኵሉ ነገር ምእንቲኡን ብእኡን ዝኾነ ኣቦና፥ ብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናምፅአ፥ ነቲ መራሒ ምድሓኖም ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ይግብኦ ነበረ። እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ኵሎም ካብ ሓደ ኣቦ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ኣሕዋት ኢሉ ኽፅውዖም ዘይሓፍር፥ a a v11 እቶም ኢየሱስ ዝቕድሶም፥ ኣቦኡ ይማቐሉ፤ ናብታ ንሱ ንዘለኣለም ዝነብረላ ሓንቲ ስድራ ተመሊሶም እዮም። ኣሕዋቱ ኢሉ ኽፅውዖም ድማ ኣይሓፍርን እዩ።

ከምዙይ ኢሉ፦ “ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግር እየ፤ ኣብ ማእኸል ጉባኤ ድማ ምስጋናኻ ኽዝምር እየ።”

ከም ብሓድሽ ድማ፥ “ኣነ ብእኡ ክውከል እየ” ይብል። ከም ብሓድሽ ከዓ፥ “እንሆ ኣነን እቶም ኣቦና ዝሃበኒ ውሉድን” ይብል። b b v13 ኢየሱስ ነዝ ቃላት እዙይ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ እዩ ዝዛረቦ፤ ምስቶም ኣቦና ኣደራ ዝሃቦ ውሉድ ኮይኑ ድማ ንርእሱ የቕርብ — ሓንቲ ስድራ፥ ሓደ ኣቦ።

እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ስለ ዝተማቐሉ፥ ንሱውን ብተመሳሳሊ ተማቐሎም፤ እዙይ ድማ ብሞት ነቲ ስልጣን ሞት ዝሓዘ፥ ማለት ነቲ ድያብሎስ፥ ምእንቲ ኸጥፍኦ እዩ፥ ነቶም ብፍርሓት ሞት ብምሉእ ዕድሜኦም ባሮት ኮይኖም ዝነበሩ ዅሎም ድማ ሓራ ምእንቲ ኼውፅኦም እዩ። ብርግፅ ንዘርኢ ኣብርሃም ደኣ ይሕግዝ እምበር፥ ንመላእኽቲ ኣይኮነን ዝሕግዝ። ስለዙይ ነቲ ሓጢኣት እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኼርሕቕ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና መሓርን እሙንን ሊቀ ካህናት ክኸውን፥ ብዅሉ ነገር ከም ኣሕዋቱ ክኸውን ነበሮ። ባዕሉ ተፈቲኑ ስለ ዝተሳቐየ፥ ነቶም ዝፍተኑ ዘለዉ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።