ኣዒንትኹም ናብ ኢየሱስ ኣቕንዑ
ሙሴ ኣብ ቤት ኣቦና እሙን ነበረ፥ ኢየሱስ ግና ሰርሓ። ካብኡ እቲ ፀሓፊ ነቲ ድምፂ ሰሚዑ ዝተረረ ወለዶ ምድረ በዳ ጠቒሱ ብቐጥታ የውዕሎ፦ ‘ሎሚ’ እናተብሃለ እንተሎ፥ ሓደ እኳ ብተንኰል ሓጢኣት ከይትረር፥ በብመዓልቱ ተተባብዑ።
3 1እምበኣር፥ ኦ ሰማያዊ ፅውዓ እትካፈሉ ቅዱሳን ኣሕዋት፥ ነቲ እንእመኖ ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ዝኾነ ኢየሱስ ተመልከቱ። 2ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤት ኣቦና እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ። 3ከምቲ ሰራሒ ቤት ካብታ ቤት ዝበዝሐ ክብሪ ዝግብኦ፥ ኢየሱስ ካብ ሙሴ ኣዝዩ ዝበዝሐ ክብሪ ይግብኦ። 4ኵላ ቤት ብሓደ ሰብ ትስራሕ እያሞ፤ ሰራሒ ኵሉ ግና ኣቦና እዩ። 5ሙሴ ድማ፥ ነቲ ድሓር ዝንገር ዝነበረ ንምምስካር፥ ከም ኣገልጋሊ ኮይኑ ኣብ ኵሉ ቤት ኣቦና እሙን ነበረ። 6ክርስቶስ ግና፥ ከም ወዲ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ። እታ ቤቱ ኸዓ ንሕና ኢና፤ ነቲ እንምክሓሉ ትብዓትን ተስፋን ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና።
7ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ a a v7 መፅሓፍ እብራውያን ንቅዱሳት ፅሑፋት ከም ህያው ድምፂ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ እዩ ዝሪኦ — እቲ ብነብያት ዝተዛረበ መንፈስ ባዕሉ ናብ ዕረፍቲ ኣቦና እናፀወዐና ሕዚ ሎሚ ይዛረበና ኣሎ። 8ልብኹም ኣይተትርሩ፥ ከምቲ ኣብቲ ምዕማፅ ዝገበርኩምዎ፥ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረት መዓልቲ ፈተና፥ 9ኣብኡ ኣቦታትኩም ፈተኑኒ፥ ኣርብዓ ዓመትውን ግብረይ ረአዩ። 10ስለዙይ በቲ ወለዶ እቱይ ተቘጣዕኹ፥ ከምዙይ ከዓ በልኩ፦ ‘ልቦም ኵልሻዕ ይስሕት ኣሎ፥ ንመንገድታተይ ከዓ ኣይፈለጥዎን።’ 11ስለዙይ ብቍጥዓይ መሓልኩ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም።’”
12ኣቱም ኣሕዋት፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ካብቲ ህያው ኣቦ ዝርሕቕ ክፉእን ዘይኣምንን ልቢ ከይህልዎ ተጠንቀቑ። 13ነንሕድሕድኩም ግና፥ “ሎሚ” እናተብሃለ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብተንኰል ሓጢኣት ከይትረር፥ በብመዓልቱ ተተባብዑ። 14ነቲ ቐዳማይ ትብዓትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና ብሓቂ እንተ ሒዝና፥ ተኻፈልቲ ክርስቶስ ኮይና ኢና። 15ከምቲ ዝተብሃለ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ዝዓመፅኩም ልብኹም ኣይተትርሩ።”
16ሰሚዖም ዝዓመፁ መን እዮም? እቶም ብሙሴ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ዅሎም ኣይኮኑንዶ? 17ኣርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖም መን እዮም? ነቶም ዝሓጥኡ፥ ሬሳታቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐ ዶ ኣይኮነን? 18ብዘይ እቶም ዘይተኣዘዙ፥ ናብ ዕረፍቱ ኸቶ ኸም ዘይኣትዉ ዝመሓለሎም መን እዮም? 19እምበኣር፥ ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ንርኢ ኣለና።