ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ገና ዘላ ዕረፍቲ

እቲ ነዊሕ ዝተተስፈወ ዕረፍቲ ገና ክፉት ኣሎ፥ ነጥቡ ኸዓ እዙይ እዩ፥ እቲ ዕድል ብኢያሱ ኣይተወድአን እሞ። ክልተ ፍሉጣት ምስልታት ይስዕቡ፦ ቃል ኣቦና ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን እናበልሐ ኵሉ ዝቕልዕ፥ ከማና ዝተፈተነ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ብትብዓት ክንቐርብ ምእንቲ።

ምዕራፍ 4።

እቲ ናብ ዕረፍቱ ናይ ምእታው ተስፋ ገና ስለ ዘሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ከም ዘይበፅሖ ከይመስል ንጠንቀቕ። ንሕናውን ከምኣቶም ወንጌል ተሰቢኹልና እዩ። እቲ ዝተሰምዐ ቓል ግና፥ ከምቶም ዝሰምዑ ምስ እምነት ስለ ዘይሓወስዎ፥ ኣይጠቐሞምን።

ንሕና እቶም ዝኣመንና፥ ከምቲ ንሱ “ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም ኢለ ብቍጥዓይ መሓልኩ” ዝበሎ፥ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ንኣቱ ኢና። ግናኸ ግብሩ ኻብ መሰረት ዓለም ጀሚሩ ተፈፂሙ ነበረ።

ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ቦታ ኸምዙይ ይብል እዩ እሞ፦ “ኣቦና ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ግብሩ ኣዕረፈ።”

ኣብዝ ቦታ እዙይ ድማ ከም ብሓድሽ “ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም” ይብል።

ገሊኦም ናብኣ ኸም ዝኣትዉ ስለ ዝተረፈ፥ እቶም ቅድም ወንጌል ዝተሰብከሎም ከዓ ብዘይ ምእዛዞም ክኣትዉ ስለ ዝሰኣኑ፥

ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ብዳዊት ገይሩ “ሎሚ” ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ደጊሙ ይውስን፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰማዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።”

ኢያሱ ዕረፍቲ እንተ ዝህቦም ነይሩ፥ ኣቦና ድሕሪ እዙይ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይተዛረበን ነይሩ። እምበኣር፥ ንህዝቢ ኣቦና ሰንበት ዕረፍቲ ተሪፋቶም ኣላ። እቲ ናብ ዕረፍቲ ኣቦና ዝኣተወ፥ ከምቲ ኣቦና ኻብ ናቱ ግብሪ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ግብሩ ኣዕሪፉ እዩ። እምበኣር፥ ሓደ እኳ በቲ ዝኣመሰለ ዘይ ምእዛዝ ከይወድቕ፥ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ንምእታው ንጋደል።

ቃል ኣቦና ህያውን ዝዓዪን እዩ፤ ካብ ዝኾነ ክልተ ዝኣፋ ሰይፊ ዝበልሕ፥ ንነፍስን መንፈስን ንመጋጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈሊ ዝሰጥም፥ ንሓሳብን ዕላማን ልቢ ዝመምዪ እዩ። a a v12 "ቃል ኣቦና" ን"ቃል እግዚኣብሄር" ይትክእ — መፅሓፍ ቅዱስ፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ ውሉዱ ዝፈልጥ ናይ ኣቦ ህያው ድምፂ እዩ። ካብ ቅድሚኡ ዝተሰወረ ፍጡር የለን፤ ኵሉ ነገር ነቲ ንሕና መልሲ እንህበሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጥራሑን ቅሉዕን ኮይኑ ተገሊፁ ኣሎ።

እምበኣር፥ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ ኣቦና፥ ስለ ዘሎና፥ ነቲ እንእመኖ እምነት ኣፅኒዕና ንሓዝ።

ኢየሱስ፥ እቲ ዓብዪ ሊቀ ካህናትና

ንድኻምና ክድንግፀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት የብልናን፤ ከማና ብዅሉ ዝተፈተነ ደኣ እምበር፥ ብዘይ ሓጢኣት ግና። እምበኣር፥ ምሕረት ክንቕበልን ኣብ ጊዜ ፀገም ዝሕግዘና ፀጋ ኽንረክብን፥ ናብ ዙፋን ፀጋ ብትብዓት ንቕረብ።