ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቤት ኣቦና ምህናፅ

ብሃጌን ዘካርያስን ተደሪኾም፥ ዘሩባቤልን ኢያሱን መሊሶም ክሃንፁ ጀመሩ። ታጤናይ እቲ ሹም ድማ መን ከም ዝፈቐደሎም ክፈልጥ ሓተተ፥ ዓይኒ ኣቦኦም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለታት ነበረ እሞ ሓደ እኳ ኣየቋረፆም። ፀብፃብ ታጤናይ ናብ ዳርዮስ፥ መዛግብቲ እቲ ንጉስ ጥራሕ ክድለ ይሓትት።

ምዕራፍ 5።

ሽዑ እቶም ነቢያት ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን፥ ብስም ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነበሩ ኣይሁድ ተነበዩሎም። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ዮሳዳቅን ተሲኦም፥ ቤት ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌም መሊሶም ክሃንፁ ጀመሩ፤ እቶም ነቢያት ኣቦና ድማ ምሳታቶም ኮይኖም ይድግፍዎም ነበሩ።

ሽዑ ታጤናይ፥ ሹም ማዕዶ ፈለግ፥ ሰታር ቦዛናይን ብፆቶምን መፂኦም፥ “ነዛ ቤት እዚኣ ክትሃንፁን ነዚ ህንፃ እዙይ ክትውድኡን መን ፈቒዱልኩም?” ኢሎም ጠየቕዎም። ከምኡ ድማ “ስም እቶም ነዚ ህንፃ እዙይ ዝሃንፁ ዘለዉ ሰባት መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። ዓይኒ ኣቦኦም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለታት ኣይሁድ ነበረ፤ ስለዙይ እቲ ነገር ናብ ዳርዮስ ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ፅሑፍ መልሲ ከዓ ክሳዕ ዝምለስ፥ ዋላ ሓደ ኣየቋረፆምን።

ናብ ንጉስ ዳርዮስ እተላእከ መልእኽቲ

ቅዳሕ እታ ታጤናይ፥ ሹም ማዕዶ ፈለግ፥ ሰታር ቦዛናይን ማዕዶ ፈለግ ዝኾኑ ብፆቱ ሹመኛታትን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝለኣኹዋ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦ ናብኡ ፅሑፍ ልኢኾም፤ ኣብኡ ኸዓ ከምዙይ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ፦ ናብ ንጉስ ዳርዮስ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን።

ኦ ንጉስ፥ ንሕና ናብ ሃገር ይሁዳ፥ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና ፍለጥ። ንሳ ኸዓ ብዓበይቲ ኣእማን ትስራሕ ኣላ፤ ኣብ መናድቕ ድማ ኣእዋም ይንበር ኣሎ። ነቲ ስራሕ ተጠንቂቖም ይሰርሕዎ ኣለዉ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ይሰልጥ ኣሎ። ስለዙይ ነቶም ሽማግለታት “ነዛ ቤት እዚኣ ክትሃንፁን ነዚ ህንፃ እዙይ ክትውድኡን መን ፈቒዱልኩም?” ኢልና ጠየቕናዮም። ንኣኻ ምእንቲ ክንነግረካ፥ ስም እቶም መራሕቲ ድማ ክንፅሕፍ፥ ስማቶም እውን ጠየቕናዮም። ንሳቶም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም መለሱልና፦ “ንሕና ባሮት ኣቦና፥ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና፤ ነታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ተሰሪሓ ዝተወደአት ቤት ድማ፥ መሊስና ንሃንፃ ኣለና። ኣቦታትና ግና ንኣቦና፥ ኣምላኽ ሰማይ ስለ ዘቘጥዕዎ፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር እቲ ባቢሎናዊ፥ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሱ ኸዓ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፥ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾም። ኮይኑ ግና ኣብ ቀዳማይ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን፥ ቂሮስ እቲ ንጉስ ነዛ ቤት ኣቦና እዚኣ መሊሳ ክትህነፅ ኣዘዘ። ቂሮስ እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ዝወሰዶ፥ ናይ ቤት ኣቦና ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ኣውፂኡ፥ ሳሳባፃር ንዝተብሃለ፥ ሹም ገይሩ ዝሾሞ ሰብ ሃቦ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘እዝ ኣቑሑ እዙይ ወሲድካ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ኪድ ኣንብሮ፤ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቦታኣ መሊሳ ትሃነፅ።’ ሽዑ እዝ ሳሳባፃር እዙይ መፂኡ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም መሰረት ቤት ኣቦና ኣንበረ፤ ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ድማ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ኣይተወደአን።”

እምበኣር ንጉስ እንተ ፈቒዱ፥ ንጉስ ቂሮስ ነዛ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር መሊሳ ክትህነፅ ኣዚዙ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ መዛግብ ንጉስ ይድለ። ድሕሪኡ ኸዓ ንጉስ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ውሳነኡ ይስደደልና።