ዳርዮስ እቲ ስራሕ ክቕፅል ኣዘዘ
መፅሓፍ ቂሮስ ኣብ ኤቅባጣና ተረኽበ፥ ዳርዮስ ድማ ነቲ ስራሕ ምፍቓድ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ቀረፁ ወፃኢኡ ይኸፍሎ፥ ነቲ ዝዕንቅፍ ዅሉ ኸዓ ኣፈራርሐ። እታ ቤት ተወዲኣ ብሓጎስ ተመረቐት፥ እቶም ምሩኻት ድማ፥ ኣቦና ልቢ ንጉስ ከም ዝለወጠ ተሓጒሶም፥ ፋሲካ ኣብዓሉ።
6 1ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ትእዛዝ ኣውፅአ፤ ኣብ ባቢሎን ድማ፥ ኣብቲ መዛግብቲ ዝተዓቝረሉ ቤት መዝገብ፥ ምድላይ ተገብረ። 2ኣብ ኤቅባጣና፥ ኣብታ ኣብ ሃገር ሜዶን ዘላ ዕርዲ ድማ፥ ሓደ መፅሓፍ ተረኽበ፤ ኣብኡ ኸዓ እዝ ፅሑፍ እዙይ ተፀሒፉ ነበረ፦
3ኣብ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፥ ንጉስ ቂሮስ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዘ፦ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ እትስውኣላ ቦታ፥ ትተሃነፅ፤ መሰረታት ይፅናዕ፤ ቁመታ ተስዓ ጫማ፥ ግፍሓታ ድማ ተስዓ ጫማ ይኹን፤ 4ሰለስተ ረድፊ ዓበይቲ ኣእማንን ሓደ ረድፊ ኣእዋምን ይኹን፤ ወፃኢ ኸዓ ካብ መዝገብ እቲ ንጉስ ይኽፈል። 5ብተወሳኺ፥ ነቲ ነቡካድነፃር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ናይ ቤት እግዚኣብሄር ምለስዎ፤ ናብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ነፍሲ ወከፍ ናብ ቦታኡ መሊስኩም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንብርዎ።
6እምበኣር፥ ኣታ ታተናይ ሹም እታ ስግር ፈለግ ዘላ ሃገር፥ ሽታር ቦዝናይ፥ ምስቶም ኣብኡ ዘለኹም ብፆትኩም ሹማምቲ፥ ካብቲ ቦታ እቲ ርሓቑ። 7ነዝ ስራሕ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ግደፍዎ፤ ሹም ኣይሁድን ዓበይቲ ኣይሁድን ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቦታኡ ይስርሕዎ። 8ነዞም ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ዓበይቲ ኣይሁድ ድማ ከምዙይ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ፦ እቲ ስራሕ ምእንቲ ኸይቋርፅ፥ ኵሉ ወፃኢኦም ካብ መዝገብ ንጉስ፥ ካብ ቐረፅ እታ ስግር ፈለግ ዘላ ሃገር ይኽፈሎም። 9ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት፥ ንኣምላኽ ሰማይ ዚቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መንእሰያት ኣብዑርን ድቤላታትን ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ስርናይ፥ ጨው፥ ወይኒ፥ ዘይቲ ዘድልዮም ዅሉ፥ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዘይ ምጉዳል ሃብዎም፤ 10ንኣምላኽ ሰማይ ባህ ዘብል መስዋእቲ ምእንቲ ኽስውእ፥ ምእንቲ ህይወት እቲ ንጉስን ደቁን ድማ ይፀልዩ። 11ከምኡውን ከምዙይ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ፦ ነዝ ኣዋጅ እዙይ ዝልውጥ ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይምዘ፤ ንሱ ኸዓ ተላዒሉ ኣብኡ ይስቀል፤ ቤቱ ድማ ምእንታኡ ኵምራ ዑና ይኹን። 12እቲ ስሙ ኣብኡ ዘንበረ ኣምላኽ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ክልወጥ ወይ ነዛ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከጥፍእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ የጥፍኦ። ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዊጀ ኣለኹ፤ ቀልጢፉ ይገበር።
ቤት ኣቦና ተወድአ
13ሽዑ ታተናይ ሹም እታ ስግር ፈለግ ዘላ ሃገር፥ ሽታር ቦዝናይን ብፆቶምን፥ ከምቲ ንጉስ ዳርዮስ ዝኣዘዞ ዅሉ ቐልጢፎም ገበሩ። 14ዓበይቲ ኣይሁድ ድማ፥ ብትንቢት ሃጌ ነብይን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን፥ እናሰርሑ ተዓወቱ። ብትእዛዝ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤልን፥ ብትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ድማ ሰሪሖም ፈፀሙ። 15እዛ ቤት እዚኣ ኸዓ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ወርሒ ኣዳር፥ ኣብ መበል ሻድሸይቲ ዓመት መንግስቲ ንጉስ ዳርዮስ ተወድአ። a a v15 ኣዳር እታ ናይ መወዳእታ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ ኢያ፤ ዳርጋ ምስ ለካቲትን መጋቢትን ትዛመድ።
16ሽዑ ህዝቢ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን እቶም ዝተረፉ ኻብ ምርኮ ዝተመለሱን፥ ምሕዳስ ናይዛ ቤት ኣቦና ብሓጐስ ኣብዓሉ። 17ንምሕዳስ ናይዛ ቤት ኣቦና ድማ ሚእቲ ኣብዑር፥ ኽልተ ሚእቲ ድቤላታት፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ንኵሉ እስራኤል መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ድማ ዓሰርተ ኽልተ ድቤላታት ኣጣል፥ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ፥ ኣቕረቡ። 18ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፀሒፉ ዘሎ፥ ንኣገልግሎት ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም ካህናት በብኽፍሎም፥ ነቶም ሌዋውያን ድማ በብኽፍሎም ሸይምዎም።
እቶም ምሩኻት ፋሲካ ኣብዓሉ
19እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ድማ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ፋሲካ ገበሩ። 20ካህናትን ሌዋውያንን ብሓባር ተነፂሖም፥ ኵሎም ፅሩያን ነበሩ። ንዅሎም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ፥ ነሕዋቶም ካህናትን ንባዕልቶምን ድማ፥ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። 21እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ደቂ እስራኤል፥ ምስ ኵሎም እቶም ንኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ክደልዮ ኢሎም ካብ ርኽሰት ኣህዛብ እታ ምድሪ ዝተፈለዩ፥ በልዕዎ። 22በዓል ቅጫ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዓሉ፤ ኣቦና ንልቦም ብሓጐስ መሊእዎ ነበረሞ፤ ኣብ ስራሕ ናይ ቤት ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣእዳዎም ምእንቲ ኸፅንዕ ድማ፥ ልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ለወጠ። b b v22 እቲ ንጉስ ፋርስ ‘ንጉስ ኣሶር’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ፥ ፋርስ ነቲ ቐደም ዝነበረ ንግስነት ኣሶር ወሲዳቶ ስለ ዝነበረት እዩ።