ኣቦ ንጣዖተኛ ልብታት ይገንሕ
ዓበይቲ ጣዖታቶም ናብ ልቦም ኣእትዮም ክማኸርዎ መፁ፥ ኣቦና ኸዓ ከም ብዝሒ እቲ ጣዖታት ከም ዝምልሰሎም በለ። ኖህን ዳንኤልን ኢዮብን እኳ፥ ኣብ በዳሊት ምድሪ ኾይኖም፥ ንነፍሶም ጥራሕ ምደሓኑ። ብፅድቂ ኻልእ ሰብ ዝድሕን ሓደ እኳ የለን።
14 1ሽዑ ገሊኦም ዓበይቲ እስራኤል ናባይ መፂኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2ቃል ኣቦናውን ናባይ መፀ፦
3ኦ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጣዖታቶም ናብ ልቦም ኣእትዮም፥ መዐንቀፊ በደሎም ከዓ ኣብ ቅድሚኦም ብቐጥታ ኣንበሮም ኣለዉ። ፈፂመ ክጥይቑኒ ክሓድጎምዶ እየ? 4ስለዙይ ተዛረቦም እሞ ከምዙይ በሎም፦ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ ካብ ቤት እስራኤል ዝኾነ ሰብ ጣዖታቱ ናብ ልቡ ኣእትዩ፥ መዐንቀፊ በደሉ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቢሩ፥ ሽዑ ናብ እቲ ነቢይ እንተ መፀ፥ ኣነ ኣቦኻትኩም ባዕለይ ከም ብዝሒ ጣዖታቱ ክምልሰሉ እየ፥ 5ነቶም ኩሎም ብጣዖታቶም ካባይ ዝረሓቑ ቤት እስራኤል ብልቦም ክሕዝ ምእንቲ እዩ።
6ስለዙይ ንቤት እስራኤል በሎም፦ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ “ተነስሁ! ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፥ ገፅኩም ከዓ ካብ ኩሉ ርኹስ ነገርኩም መለሱ። 7ካብ እስራኤል ዝኾነ ሰብ ወይ ኣብ እስራኤል ዝነብር ጓና ካባይ ተፈልዩ፥ ጣዖታት ናብ ልቡ ኣእትዩ፥ መዐንቀፊ በደሉ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቢሩ፥ ሽዑ ክጥይቐኒ ናብ ነቢይ እንተ መፀ፥ ኣነ ኣቦኻትኩም ባዕለይ ክምልሰሉ እየ። 8ገፀይ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ እቱይ ክገብር እየ፥ ምልክትን መመሰሊን ከዓ ክገብሮ እየ፤ ካብ ህዝበይ ክቆርፆ እየ። ሽዑ ኣነ ኣቦኻትኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9እቲ ነቢይ ቃል ክዛረብ እንተ ተስሓበ፥ ኣነ ኣቦኻትኩም ነቲ ነቢይ እቱይ ኣስሒበዮ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሊኡ ዘርጊሐ ከዓ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። 10በደሎም ክስከሙ እዮም፤ በደል እቲ ጠያቒ ከም በደል እቲ ነቢይ ማዕረ ክኸውን እዩ፥ 11ምእንቲ ቤት እስራኤል ደጊም ካባይ ከይስሕቱ፥ ብኩሉ ኽድዓቶም ከዓ ከይረኽሱ፤ ንሳቶም ውሉደይ ክኾኑ እዮም፥ ኣነ ድማ ኣቦኦም ክኸውን እየ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ።”
ኣርባዕተ ዘፍርሑ ፍርድታት ኣቦ
12ቃል ኣቦናውን ናባይ መፀ፦
13ኦ ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ሃገር ብምጥፍፋእ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ሰርሐት፥ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊኣ ዘርጊሐ ቀለባ ክቆርፅ፥ ጥሜት ክሰደላ፥ ካብኣ ከዓ ሰብን እንስሳን ክቆርፅ እየ፥ 14እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም፥ ኖህን ዳንኤልን ኢዮብን፥ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ምደሓኑ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ።
15ወይ ኣነ ናብታ ሃገር እቲኣ ኣራዊት በረኻ እንተ ሰዲደ፥ ንሳቶም ከዓ ሰብ ኣልቦ ጌሮም ባድማ እንተ ገበርዋ፥ ካብቲ ኣራዊት ዝተልዓለ ብኣኣ ዝሓልፍ ሰብ እንተ ዘይሃለወ፥ 16ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ፥ እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም ኣብኣ እንተ ዝነብሩ እኳ፥ ኣወዳት ኮነ ኣዋልድ ከድሕኑ ኣይምኸኣሉን። ባዕልቶም ጥራሕ ምደሓኑ፥ እታ ሃገር ግና ባድማ ምኾነት።
17ወይ ኣነ ናብታ ሃገር እቲኣ ሰይፊ እንተ ኣምፂአ እሞ ‘ሰይፊ ብምድሪ ይሕለፍ’ እንተ ኢለ፥ ካብኣ ከዓ ሰብን እንስሳን እንተ ቆሪፀ፥ 18ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ፥ እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም ኣብኣ እንተ ዝነብሩ እኳ፥ ኣወዳት ኮነ ኣዋልድ ከድሕኑ ኣይምኸኣሉን፤ ባዕልቶም ጥራሕ ምደሓኑ።
19ወይ ናብታ ሃገር እቲኣ መቕሰፍቲ እንተ ሰዲደ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም ኣብ ልዕሊኣ እንተ ኣፍሰስኩ፥ ካብኣ ሰብን እንስሳን ንምቑራፅ፥ 20ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኖህን ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እንተ ዝነብሩ እኳ፥ ወዲ ኮነ ጓል ከድሕኑ ኣይምኸኣሉን፤ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ደኣ ምደሓኑ።
21እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዘፍርሕ ፍርድታተይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ኣራዊት በረኻን መቕሰፍትን፥ ሰብን እንስሳን ንምቑራፅ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰዲደ፥ ክንደይ ዝገደደ ኽኸውን! 22ይኹን እምበር፥ ዝተረፉ ኣብኣ ክተርፉ እዮም፥ እቶም ዝወፁ ኣወዳትን ኣዋልድን። ንሳቶም ናባኻትኩም ክወፁ እዮም፥ መንገድታቶምን ግብሮምን ምስ ረኣኹም ከዓ፥ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዘምፃእክዎ መዓት፥ በቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘምፃእክዎ ኩሉ፥ ክትፅናንዑ ኢኹም። 23ኣካይዳኦምን ግብሮምን ምስ ረኣኹም፥ ንሳቶም ከፅናንዑኹም እዮም፥ ኣብኣ ዝገበርክዎ ኩሉ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይኮነ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ።