ንሓዊ እንተ ዘይኮይኑ ንገለ ዘይጠቅም ወይኒ
ሓፃርን ፀልማትን ምስሊ። ዕንፀይቲ ወይኒ ቅድሚ ምንዳዱ እኳ ንህንፀት ኣይጠቅምን፥ ምስ ሓረረ ኸዓ ኣብሊፁ ኣይጠቅምን። እዙይ እዩ፥ ይብል ኣቦና፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ፦ ንሓዊ ዝተዓቘሩ፥ ንዝኾነ ስራሕ ዘይበቕዑ።
15 1ከምዙይ ዝብል ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
2“ኦ ወዲ ሰብ፥ ዕንፀይቲ ወይኒ ካብ ኵሉ ኻልእ ዕንፀይቲ ብምንታይ ይሐይሽ? እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ጨንፈር ወይኒ? 3ዕንፀይቱዶ ንገለ ዝጠቅም ነገር ይውዕል? ነገራት ዝስቀለሉ ሽኻል ካብኡ ይግበር? 4እንሆ፥ ንመቃፀሊ ናብ ሓዊ ይድርበ። ሓዊ ድማ ንኽልቲኡ ወሰኑ በልዖ፤ ማእኸሉ ኸዓ ሓረረ። ንዝኾነ ስራሕ ይጠቅም? 5ምሉእ ከሎ ዘይጠቅም ካብ ኮነ ደኣ፥ ሓዊ ምስ በልዖ እሞ ምስ ሓረረ ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ኣይጠቅምን! ገለ ነገር ክግበር ይከኣልዶ?”
6ስለዙይ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ዕንፀይቲ ወይኒ፥ ንመቃፀሊ ናብ ሓዊ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኣሕሊፈ ሃብክዎም። 7ገፀይ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከኽብደሉ እየ። ካብ ሓደ ሓዊ ኣምለጡ፥ ካልእ ሓዊ ግና ክበልዖም እዩ፤ ገፀይ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ኣኽበድኩ ድማ፥ ኣነ ኣቦኻትኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 8ብሕሰት ፈፂሞም ስለ ዝበደሉ፥ ነታ ምድሪ ዑና ኽገብር እየ” ይብል ጐይታ ኣቦ።