ቅንዕና ኣብ ውሽጢ ቤተይ
መዝሙር ዳዊት።
ናይ ሓደ ገዛኢ ስርዓተ ኣካይዳ። ከንቱ ነገር ካብ ኣዒንቱ ከርሕቕ፥ ነቲ ብሕቡእ ዘፅልም ስቕ ከብሎ፥ ነቶም እሙናት ጥራሕ ከገልግልን ዋላ ሓደ ሓሳዊ ኣብ ቤቱ ከይነብርን፥ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ድማ ንገበርቲ እከይ ካብ ከተማ ክቘርፅን ቃል ይኣቱ።
101 1ብዛዕባ ምሕረትን ፍርድን ክዝምር እየ፤ ኦ ኣቦይ፥ ንኣኻ ክቕንየልካ እየ። 2ነቲ ፍፁም መንገዲ ክስዕብ ክጠንቀቕ እየ። መዓዝ ናባይ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብቕንዕና ልቢ ክመላለስ እየ። 3ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ከንቱ ነገር ኣየንብርን እየ። ግብሪ እቶም ዝግልሱ ፀላእኩ፤ ናባይ ኣይለግበንን እዩ። 4ቄናዊ ልቢ ካባይ ክርሕቕ እዩ፤ ክፉእ ገለ እኳ ኣይፈልጥን እየ። 5እቲ ብሕቡእ ንብፃዩ ዘፅልም፥ ንእኡ ስቕ ከብሎ እየ፤ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ዕቡይ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ። 6ኣዒንተይ ኣብ እሙናት ምድሪ እዮም፤ ምሳይ ምእንቲ ኽነብሩ፤ እቲ ብፍፁም መንገዲ ዝኸይድ ከገልግለኒ እዩ። 7ተንኰል ዝገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፤ ሓሶት ዝዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይፀንዕን። 8ኣብ ኩሉ ጊሓት ንኩሎም ክፉኣት ምድሪ ስቕ ከብሎም እየ፤ ንኩሎም ገበርቲ እከይ ከዓ ካብ ከተማ ኣቦና ክቘርፅ እየ።