ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቆሬ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተንስአ

ቆሬን 250 መራሕትን ኵሉ እቲ ማሕበር ቅዱስ ምዃኑ፥ ስለዙይ ንሓደ እኳ ከቕርብዎ ኸም ዘየድሊ ተዛረቡ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ፅንሃህ ክውስን ሓደጎ። ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዳታንን ኣቤሮንን ተኸፈተት፥ ሓዊ ነቶም 250 በልዖም፥ ነቲ ዘረባ ኸዓ ኣቦና ባዕሉ መለሶ።

ምዕራፍ 16።

ቆሬ ወዲ ይስዓር ወዲ ቀዓት ወዲ ሌዊ ድማ፥ ምስ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብን ምስ ኦን ወዲ ፌሌትን፥ እዚኣቶም ደቂ ሮቤል ኮይኑ፥ ሰባት ኣከበ። ምስ 250 ካብ ደቂ እስራኤል ዝኾኑ ሓለቕቲ ማሕበር፥ ኣብ ጉባኤ ዝተሓርዩ ስሙያት ሰባት ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው በሉ። ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም ድማ “ይኣኽለኩም! ኵሉ እቲ ማሕበር፥ ኵላቶም ቅዱሳን እዮም፥ ኣቦናውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ። ስለ ምንታይ ደኣ ኣብ ልዕሊ ጉባኤ ኣቦና ርእስኹም ተልዕሉ?” በሉ።

ሙሴ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብገፁ ተደፍአ። ንቆሬን ንዅሎም ሰዓብቱን ከዓ ከምዙይ በሎም፦ “ንግሆ ኣቦና መን ናቱ ምዃኑ፥ መን ድማ ቅዱስ ምዃኑ ከርኢ እዩ፥ ነቲ ሰብ እቱይ ድማ ናብኡ ከቕርቦ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ሰብ ኸዓ ናብኡ ከቕርቦ እዩ። እዙይ ግበሩ፦ ንስኻ ቆሬን ኵሎም ሰዓብትኻን ፅንሃህ ውሰዱ። ፅባሕ ኣብኣተን ሓዊ ግበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ዕጣን ኣብ ልዕሊአን ግበሩ። እቲ ኣቦና ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ እቲ ቅዱስ ክኸውን እዩ። ኦ ደቂ ሌዊ፥ ይኣኽለኩም!”

ሙሴ ድማ ንቆሬ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ፦ እቲ ኣቦ እስራኤል፥ ናብኡ ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ነቲ ስራሕ ድንኳን ኣቦና ኽትገብሩን ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕበር ደው ኢልኩም ክተገልግልዎምን ኢሉ፥ ካብ ማእኸል ማሕበር እስራኤል ፈልዩኩም እንተሎ፥ እዙይ ይውሕደኩምዶ? ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕረበኩም፤ ሕዚ ድማ ክህነት እውን ትደልዩ ዲኹም? ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ተኣኪብኩም ኣለኹም። ኣሮን ደኣ እንታይ እዩ፥ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ?” በሎ።

ሙሴ ኸዓ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ክፅውዑ ለኣኸ። ንሳቶም ድማ “ኣይንድይብን ኢና! ኣብ ምድረ በዳ ኽትቀትለና ኢልካ ኻብ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣደይብካናስ ይውሕደካዶ፥ ኣብ ልዕሌናውን ፈፂምካ ኽትገዝእ ትደሊ ኣለኻ? ብተወሳኺ፥ ናብ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፥ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ርስቲ ኢልካ ኣይሃብካናን። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣዒንቶም ክትምዝሕ ዲኻ? ኣይንድይብን ኢና!” በሉ።

ሙሴ ድማ የመና ተቘጥዐ፤ ንኣቦና ኸዓ “ናብ መባኦም ኣይትርአ። ኣነ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ካባታቶም ኣይወሰድኩን፥ ንሓደ እኳ ካባታቶም ኣይበደልኩን” በለ።

ሙሴ ድማ ንቆሬ “ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን፥ ፅባሕ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቕረቡ፥ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፥ ዕጣን ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይግበር፥ ናብ ቅድሚ ኣቦና ኸዓ የቕርቦ፤ 250 ፅንሃህ ይኹን፤ ንስኻን ኣሮንን ነፍሲ ወከፍ ፀፅንሃሁ” በሎ።

ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፅንሃሁ ወሲዱ፥ ሓዊ ገበረሉ፥ ዕጣንውን ኣብ ልዕሊኡ ገበረ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በለ። ቆሬ ድማ ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም፤ ክብሪ ኣቦና ኸዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተገለፀሎም።

ኣቦና ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦

“ካብዝ ማሕበር እዙይ ተፈለዩ፥ ብሓንሳእ ምእንቲ ኸጥፍኦም።”

ሙሴን ኣሮንን ድማ ብገፆም ተደፊኦም “ኦ ኣቦና፥ ኣቦ መናፍስቲ ዅሉ ስጋ! ሓደ ሰብ እንተ ሓጢአ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ማሕበር ክትዅሪ ዲኻ?” ኢሎም በሉ። ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦

“ንማሕበር ከምዙይ በሎም፦ ካብ ከባቢ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ርሓቑ።”

ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ ዓበይቲ እስራኤልውን ሰዓብዎ። ነቲ ማሕበር ድማ “ካብ ድንኳናት እዞም ክፉኣት ሰባት እዚኣቶም ርሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ፥ ካብ ኵሉ ንብረቶም ገለ እኳ ኣይትንከዩ” በሎም።

ካብ ከባቢ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ድማ ካብ ኵሉ ወገን ርሓቑ፤ ዳታንን ኣቤሮንን ከዓ ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ናእሽቱ ቆልዑኦምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።

ሙሴ ድማ “ኣቦና እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገብር ከም ዝለኣኸኒ፥ ካብ ልበይ ከም ዘይኮነውን፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፦ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምቲ ኵሉ ሰብ ዝመውት ሞት እንተ ሞይቶም፥ ከምቲ ናይ ኵሉ ሰብ መወዳእታ እንተ ኣጋጠሞም፥ ኣቦና ኣይለኣኸንን እዩ። ኣቦና ግና ሓዱሽ ነገር እንተ ፈጢሩ፥ እታ ምድሪ ኸዓ ኣፋ ከፊታ ምስ ኵሉ ንብረቶም እንተ ወሓጠቶም፥ ብህይወቶም ድማ ናብ መቓብር እንተ ወሪዶም፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣቦና ኸም ዝነዓቕዎ ሽዑ ክትፈልጡ ኢኹም” በለ።

እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ድማ፥ እታ ኣብ ትሕቲኦም ዝነበረት ምድሪ ተሰንጠቐት፤ እታ ምድሪ ድማ ኣፋ ከፊታ ንኣኣቶምን ንስድራ ቤቶምን ንዅሎም ሰብ ቆሬን ንዅሉ ንብረቶምን ወሓጠቶም። ንሳቶምን ኵሉ ናታቶም ዝኾነን ድማ ብህይወቶም ናብ መቓብር ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ኣብ ልዕሊኦም ተዓፅወት፤ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤውን ጠፍኡ። ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ እስራኤል ድማ፥ “ምድሪ ንዓናውን ከይትውሕጠና!” ይብሉ ነበሩ እሞ፥ በቲ ኣውያቶም ሃደሙ። ካብ ኣቦና ድማ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቶም ዕጣን ዘቕርቡ ዝነበሩ 250 ሰባት በልዖም።