ካልኦት ኣማልኽቲ የብልኩምን
ምእዛዝ ዝናም፥ ዓፂድ፥ ሰላምን ኣቦኦም ኣብ መንጎኦም ምምልላስን የምፅእ፤ ምእባይ ግና እናበርትዐ ዝኸይድ መቕፃዕቲ የምፅእ፥ ሸውዓተ ሳዕ መሊሱውን ሸውዓተ ሳዕ፥ ብምርኮን ባዶ ዝኾነት ምድርን ድማ ይውዳእ። ሽዑ እውን፥ እንተ ተኣመኑ፥ ንሱ ነቲ ኪዳን ይዝክሮ—ገና ኣቦኦም እዩ እሞ።
26 1“ንነብስኹም ከንቱ ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ወይ ቅዱስ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድሪኹም ዝተቐረፀ እምኒ ኣይተንብሩ፤ ኣነ ኣቦኻትኩም እየ እሞ።
2“ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ ከዓ ኣኽብሩ፤ ኣነ ኣቦኻትኩም እየ።
3“ብሕግጋተይ እንተ ኸድኩም፥ ትእዛዛተይ ድማ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን፥ 4ዝናም ብጊዜኡ ክህበኩም እየ፤ እታ ምድሪ እኽላ ትህብ፥ ኣእዋም ግራትን ፍሪኦም ይህብ። 5ኣኽቲ ክሳዕ ምህርቲ ወይኒ ይበፅሕ፥ ምህርቲ ወይኒ ድማ ክሳዕ ዘርኢ ይበፅሕ፤ እንጀራኹም ፀጊብኩም ትበልዑ፥ ኣብ ምድርኹምውን ብህድኣት ትነብሩ።
6“ኣብ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፤ ዘፍርሐኩም ከይሃለወ ትድቅሱ። ክፉኣት እንስሳ ኻብ ምድሪ ከርሕቕ እየ፥ ሰይፊ ኸዓ ብምድርኹም ኣይሓልፍን እዩ። 7ንፀላእትኹም ክትሰጕ ኢኹም፥ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ይወድቁ። 8ካባኻትኩም ሓሙሽተ ሰብ ንሚእቲ፥ ሚእቲ ድማ ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጕ፤ ፀላእትኹም ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ይወድቁ።
9“ናባኻትኩም ክምለስ፥ ፍርያት ክገብረኩም፥ ከብዝሐኩምን፥ ኪዳነይውን ምሳኻትኩም ከፅንዕ እየ። 10ነቲ ዝተዓቚረ ብሉይ እኽሊ ገና ኽትበልዑ ኢኹም፤ ንሓድሽ ቦታ ምእንቲ ኽትገብሩ ድማ ከተውፅእዎ ኢኹም። 11ማሕደረይ ኣብ መንጎኹም ከንብር እየ፥ ልበይ ድማ ኣይንፀገኩምን እዩ። 12ኣብ መንጎኹም ክመላለስ፥ ኣቦኻትኩም ክኸውን እየ፥ ንስኻትኩምውን ውሉደይ ክትኮኑ ኢኹም። 13ኣነ እቲ ባሮት ግብፃውያን ኴንኩም ከይትነብሩ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአኩም ኣቦኻትኩም እየ። ነቲ ዘንጊ ኣርዑትኩም ሰበርኩ፥ ቀኒዕኹም ክትከዱ ድማ ገበርኩኹም።
ተግሳፅ ኣቦ
14“እንተ ዘይሰማዕኩምኒ ግና፥ ነዝ ኵሉ ትእዛዛት እዚኣቶም እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ 15ሕግጋተይ እንተ ነፀግኩም፥ ነፍስኹም ከዓ ንፍርደይ እንተ ነዓቐት፥ ኵሉ ትእዛዛተይ እንተይገበርኩም ኪዳነይ እንተ ኣፍረስኩም፥ 16ኣነውን ከምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ብድንገት ዝመፅእ ራዕዲ፥ ኣዒንቲ ዘጥፍእ ነፍሲ ዘድክምን ዘማስን ሕማምን ዓሶን ከምፅአልኩም እየ። ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ፥ ዘርእኹም ንኸንቱ ኽትዘርኡ ኢኹም። 17ገፀይ ኣባኻትኩም ከቕንዕ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ክትውቀዑ ኢኹም፥ እቶም ዝፀልኡኹም ይገዝኡኹም፥ ዝሰጎኩም ዘይብሉ ኽነስኹም ክትሃድሙ ኢኹም።
18“ድሕሪ እዙይውን እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፥ ስለ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ሻዕ ኣፀፊፈ ክቐፅዐኩም እየ፥ 19ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብር፥ ሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ምድሪኹም ድማ ከም ነሃስ ክገብር እየ። 20ሓይልኹም ንኸንቱ ኽውዳእ እዩ፤ ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፥ ኣእዋም እታ ምድሪ ኸዓ ፍሪኦም ኣይህቡን።
21“ተፃሪርኩምኒ እንተ ኸድኩም፥ ክትሰምዑኒ ድማ እንተ ኣበኹም፥ ስለ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ሻዕ ኣፀፊፈ መቕፃዕቲ ክውስኸልኩም እየ። 22ኣራዊት መሮር ናባኻትኩም ክሰድድ እየ። ውሉድኩም ይምንዝዑኹም፥ ማሉኹም የጥፍኡ፥ ሒደት ይገብሩኹም፥ መንገድታትኩም ድማ የባድሙ።
23“በዙይ እውን ናባይ እንተ ዘይተመለስኩም፥ ተፃሪርኩምኒ ድማ እንተ ኸድኩም፥ 24ኣነውን ክፃረረኩም እየ፥ ኣነ ባዕለይ ድማ ስለ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ሻዕ ክወቕዐኩም እየ። 25ሕነ ኺዳን ዝፈዲ ሰይፊ ናባኻትኩም ከምፅእ እየ። ናብ ከተማታትኩም ምስ ተኣከብኩም፥ ኣብ መንጎኹም ፌራ ክሰድድ እየ፥ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኸዓ ኽትውሃቡ ኢኹም። 26ናይ እንጀራ ቀለብኩም ምስ ሰበርኩ፥ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፥ ብሚዛን ድማ ይዕድላኦ፤ ትበልዑ ኢኹም ግና ኣይትፀግቡን ኢኹም።
27“ምስ እዙይ ኵሉ እውን እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፥ ተፃሪርኩምኒ ደኣ እንተ ኸድኩም፥ 28ኣነ ኸዓ ብቝጥዓ ክፃረረኩም፥ ኣነ ባዕለይ ድማ ስለ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ሻዕ ኣፀፊፈ ክቐፅዐኩም እየ። 29ስጋ ኣወዳትኩምን ክትበልዑ፥ ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም። 30በረኽትኹም ከጥፍእ፥ መሰውኢ ዕጣንኩም ክቘርፅ፥ ሬሳኹም ኣብ ልዕሊ ሬሳ ጣዖታትኩም ክድርቢ እየ፥ ነፍሰይ ድማ ክትፅየፈኩም እያ። 31ከተማታትኩም ዑና ክገብር፥ መቓድስኩም ከባድም፥ ጥዑም ጨናኹም ድማ ኣይክጨኑን እየ። 32ኣነ ባዕለይ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ እቶም ኣብኣ ዝሰፍሩ ፀላእትኹም ድማ ብኣኣ ክግረሙ እዮም። 33ኣብ መንጎ ህዝብታት ክበትነኩም፥ ሰይፊ ድማ ደድሕሬኹም ክመዝዝ እየ፤ ምድሪኹም ክትባድም፥ ከተማታትኩም ድማ ዑና ክኾና እየን። 34ሽዑ እታ ምድሪ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዅሉ መዓልቲ ምብዳማ ሰናብታ ኽትሕጐሰለን እያ፤ ሽዑ ኸዓ ኽተዕርፍ፥ ሰናብታ ኽትሕጐሰለን እያ። 35ኵሉ መዓልቲ ዝባደመትሉ ኸዓ ኽተዕርፍ እያ፤ እዝ ዕረፍቲ እዙይ ኣብኣ ትነብሩ ኣብ ዝነበርኩም ሰናብትኹም ዘይረኸበቶ ዕረፍቲ እዩ።
36“ካባኻትኩም እቶም ዝተረፉ ኸዓ፥ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም ኣብ ልቦም ድኻም ከእቱ እየ። ድምፂ ብንፋስ ዝንቀሳቐስ ቆፅሊ ኽሰጎም እዩ፤ ከምቲ ኻብ ሰይፊ ዝህደም ይሃድሙ፥ ዝሰጎም ዘይብሉ ኸዓ ይወድቁ። 37ዝሰጎም ዘይብሉ ኽነሱ፥ ከምቲ ኻብ ሰይፊ ዝሃድም፥ ነንሕድሕዶም ክዕንቀፉ እዮም፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክብሉ ኸዓ ሓይሊ ኣይክህልዎምን እዩ። 38ኣብ መንጎ ህዝብታት ክትጠፍኡ ኢኹም፥ ምድሪ ፀላእትኹም ድማ ክትውሕጠኩም እያ። 39ካባኻትኩም እቶም ዝተረፉ ኸዓ፥ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብኣበሳኦም ክሽምረሩ እዮም፤ ብኣበሳ ኣቦታቶም ድማ ምሳታቶም ክሽምረሩ እዮም።
40“ነቲ ኣባይ ዝፈፀምዎ ክሕደት፥ ኣበሳኦምን ኣበሳ ኣቦታቶምን እንተ ተናዘዙ ግና፥ ከምኡውን ተፃሪሮምኒ ከም ዝኸዱ፥ 41ኣነውን ብፅልኢ ተጓዓዝክዎም፥ ናብ ምድሪ ፀላእቶም ኣእቶኽዎም፤ ሽዑ እቲ ዘይተገረዘ ልቦም እንተ ትሕት በለ፥ ብበደሎም ከዓ እንተ ተቐፅዑ፥ a a v41 ዘይተገረዘ ልቢ፦ እቲ ዕፁውን ተሪርን ልቢ፥ ገና ንእግዚኣብሄር ዘይተገዝአ እዩ፤ ግዝረት ናይ ናቱ ምዃን ምልክት ኪዳን ካብ ምዃኑ ዝተወስደ እዩ። 42ነቲ ምስ ያእቆብ ዝኣተኽዎ ኪዳነይ ክዝክር እየ፤ ነቲ ምስ ይስሓቅ ዝኣተኽዎ ኪዳነይ ድማ፥ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተኽዎ ኪዳነይ ከዓ ክዝክር እየ፤ ነታ ምድሪውን ክዝክር እየ። 43እታ ምድሪ ድማ ብኣኣቶም ክትሕደግ እያ፤ ብዘይ ኣታቶም ባዲማ እንተላ፥ ብሰናብታ ደስ ክብላ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንፍርደይ ስለ ዝነዓቑ፥ ልቦም ድማ ንሕግጋተይ ስለ ዝነፀገ፥ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። 44ምስ እዝ ዅሉ ግና፥ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ከጥፍኦም ነቲ ምሳታቶም ዝኣተኽዎ ኪዳነይ ከፍርስን ክሳዕ ዝኸውን ኣይድርብዮምን ኣይንዕቆምን እየ፤ ኣነ ኣቦኦም እየ እሞ። 45ምእንታኦም ድማ ነቲ ኣቦኦም ክኸውን ኢለ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኪዳን ክዝክር እየ፤ ኣነ ኣቦኻትኩም እየ።”
46ኣቦና ኣብ ከረን ሲና ብሙሴ ኣቢሉ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ዝሃቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ሕግጋትን እዚኣቶም እዮም።