ኣቦ ነቲ ናይ ጥንቲ ፅልኢ ኤዶም ይፈርዶ
ኤዶም፥ ኣብ እምባ ሴይር፥ ናይ ጥንቲ ፅልኢ ሓዘ፥ ብመዓልቲ መከራ ኸዓ ንእስራኤል ናብ ሰይፊ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ድሕሪኡ ነተን ክልተ ዝባደማ ምድሪታት ‘ናተይ’ ኢሉ ሓዘን። ኣቦና ኤዶም ባድማ ኸም ዝኸውን፥ ንዘለኣለም ከዓ፥ ይምልስ።
35 1ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
2ኦ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባ ሴይር ኣቕንዕ፥ ኣንፃሩ ድማ ተነበ። 3ንእኡ ኸምዙይ በሎ፦ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኦ እምባ ሴይር፥ ኣንፃርካ እየ። ኢደይ ናባኻ ዘርጊሐ ባድማን ዑናን ክገብረካ እየ። 4ንከተማታት ዑና ክገብረን እየ፥ ንስኻ ድማ ባድማ ክትከውን ኢኻ። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።
5ናይ ጥንቲ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ብመዓልቲ መከራኦም፥ በቲ ናይ መወዳእታ ቕፅዓቶም ዝመፅአሉ ጊዜ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ናብ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ስለ ዝሃብካዮም፥” 6ስለዙይ ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል ጐይታ ኣቦ፥ ናብ ደም ኣሕሊፈ ክህበካ እየ፥ ደም ድማ ክስዕበካ እዩ። ንደም ስለ ዘይፀላእካ፥ ደም ክስዕበካ እዩ። 7“ንእምባ ሴይር ባድማን ዑናን ክገብሮ እየ፤ ነቶም ዝመፁን ዝኸዱን ኵሎም ከዓ ካብኡ ክቘርፆም እየ። 8ንእምባታቱ ብቕቱላት ክመልኦ እየ፤ ኣብ ኰረብታታትካን ለሰታትካን ኣብ ኵሉ ሩባታትካን ድማ እቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ክወድቁ እዮም። 9ንዘለኣለም ባድማ ክገብረካ እየ፤ ከተማታት ድማ ሰብ ዘይነብረን ክኾና እየን። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።
10‘እዘን ክልተ ህዝብታት፥ እዘን ክልተ ሃገራት ናተይ ክኾና እየን፤ ክንወርሰን ኢና’ ኢልካ ስለ ዝበልካ፥ ኣቦና ኣብኡ እንዳሃለወ፥” 11ስለዙይ ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል ጐይታ ኣቦ፥ ከምቲ ንእስራኤል ብምፅላእካ ዘርኣኻዮ ቍጥዓኻን ቅንኣትካን፥ ከምኡ ኽገብረካ እየ፤ ንኣኻ ክፈርደካ እንተለኹ ኸዓ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ባዕለይ ክፍለጥ እየ።
12ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ። ነቲ ኣብ ልዕሊ እምባታት እስራኤል ዝተዛረብካዮ ዅሉ ፀርፊ ሰሚዐዮ እየ፤ “ባዲሞም እዮም፥ ክንበልዖም ተዋሂቦምና” ኢልካ። 13ብኣፍካ ኣብ ልዕለይ ተመካሕካ፤ ቃላትካ ድማ ኣብ ልዕለይ ኣብዛሕካ፤ ኣነ ኸዓ ሰማዕክዎ። 14ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብዘላ ምድሪ ክትሕጐስ ከላ፥ ኣነ ባድማ ክገብረካ እየ። 15ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ ደስ ዝበለካ፥ ከምኡ ኽገብረካ እየ። ኦ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ብዘሎ ኤዶምን ባድማ ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።