ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንሙሴ ተዛረቦ

ኵሉ በዅሪ ናይ ኣቦና እዩ፥ ብመተካእታ ይብዛዕ፤ ንወዱ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ፥ በዅሪ ግብፂ ወሲዱ እዩ እሞ። እቲ በዓልን እቲ ኣብ ኢድን ኣብ መንጎ ኣዒንትን ዘሎ ምልክትን ዝህልዉ ድማ፥ ሕቶ ቆልዓ መልሲ ምእንቲ ኽረክብ እዩ። ንሳቶም በቲ መንገዲ ምድረ በዳ መርሖም፥ ብደመናን ብሓውን ድማ ቀቅድሚኦም ከደ።

ምዕራፍ 13።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ኵሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ። እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ ቐዳማይ፥ ሰብ ይኹን እንስሳ፥ ናተይ እዩ።” a a v2 ኣቦና ንዅሉ በዅሪ ናተይ እዩ ኢሉ ይሓትቶ፤ እዝ ሕቶ እዙይ ከዓ ኣብ ኢየሱስ፥ እቲ ኣቦ ምእንታና ዝሃቦ በዅሪ፥ ምሉእነቱ ይበፅሕ።

ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦና ብሓያል ኢዱ ኻብዛ ቦታ እዚኣ ኣውፅአኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክሩ። ብዅዕ ዝኾነ እንጀራ ድማ ኣይትብልዑ። ሎሚ፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ትወፁ ኣለኹም። ኣቦና ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤውያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነታ ንኣቦታትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ምስ ኣእተወካ ድማ፥ ነዝ ስርዓት እዙይ በዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ፤ ኣብ መበል ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ንኣቦና በዓል ይኹን። ነተን ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ፤ ብዅዕ ዘለዎ እንጀራ ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ፤ ኣብ ኵሉ ወሰንካ ድማ ብሑቝ ኣይረኸብ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንወድኻ ‘እዙይ ካብ ግብፂ ክወፅእ እንተለኹ ኣቦና ብዛዕባ ዝገበረለይ ነገር እዩ’ ኢልካ ንገሮ። ኣቦና ብሓይሊ ኢዱ ካብ ግብፂ ስለ ዘውፅአካ፥ ሕጊ ኣቦና ኣብ ኣፍካ ምእንቲ ኽኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ንመዘከርታ ይኹነልካ። ስለዙይ ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ሓልዎ።

ኣቦና ናብ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ፥ ከምቲ ንኣኻን ንኣቦታትኻን ዝመሓለልካ፥ ነዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ምስ ሃበካ፥ ኵሉ ማህፀን ዝኸፈተ ቐዳማይ ንኣቦና ፍለዮ፤ ኵሉ ቐዳማይ ተባዕታይ ዝውለድ ከብትኻ ድማ ናይ ኣቦና እዩ። ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ብጡበት በጊዕ ቤዘዎ፤ እንተ ዘይቤዘኻዮ ግና፥ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ኵሉ በዅሪ ቤዘዎ። ወድኻ ብዝመፅእ ጊዜ ‘እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐካ፥ ‘ኣቦና ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ኣውፅአና። ፈርዖን ርእሱ ኣትሪሩ ኽሰደና ምስ ኣበየ፥ ኣቦና ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዝነበረ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ጀሚሩ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ፥ ቀተለ። ስለዙይ ኣነ ንዅሉ ማህፀን ዝኸፍት ተባዕታይ ንኣቦና እስውኦ፤ ንዅሉ በዅሪ ደቀይ ግና እብይዞ’ ኢልካ ንገሮ። ኣቦና ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፅአና እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ንክታብ ይኹነልካ።”

ዝሓሸ መንገዲ

ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ምስ ሰደዶም፥ እቲ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እኳ እንተ ቐረበ፥ ኣቦና በቲ መንገዲ እቲ ኣይመርሖምን፤ ኣቦና “ህዝቢ ውግእ እንተ ረአዩ፥ ሓሳቦም ቀይሮም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ” በለ እሞ።

ስለዙይ ኣቦና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ፥ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢሉ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ተዓጢቖም ካብ ግብፂ ደየቡ። b b v18 ብዕብራይስጢ፦ ያም ሱፍ፥ “ባሕሪ እምባ ኣርቡ።”

ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “ኣቦና ብርግፅ ክበፅሓኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ኣዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ኣደይቡ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ወሰደ። ካብ ሱኮት ተበጊሶም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ወሰን ምድረ በዳ እትርከብ ኤታም ሰፈሩ። ኣቦና ድማ መዓልቲ መንገዲ ምእንቲ ኽመርሖም ብዓምዲ ደበና፥ ለይቲ ኸዓ ምእንቲ ኸብርሃሎም ብዓምዲ ሓዊ፥ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፤ ስለዙይ ለይትን መዓልትን ክጕዓዙ ኸኣሉ። እቲ ዓምዲ ደበና ብመዓልቲ፥ እቲ ዓምዲ ሓዊ ድማ ብለይቲ፥ ካብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኣይተፈለየን።