ኢዮኣስ፥ ኣቦና ተስፋ ዝኣተወሉ ንጉስ ኮይኑ ተነገሰ
ዮዳሄ ነቶም ሓለውቲ ሰርዖም፤ ነቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ወዲ ኣውፂኡ፥ ኣኽሊል ኣንበረሉ፥ ንጉስ ይንበር ኢሉ ድማ ዓው በለ። ዓታልያ ክትቅተል ናብ ወፃኢ ቤተ መቕደስ ተወሰደት፤ ቤት በዓል ፈረሰ፤ ካህንን ህዝብን ንጉስን ድማ ህዝቢ ኣቦና ክኾኑ ብሓደ ኪዳን ኣተዉ።
23 1ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ዮዳሄ ተጠናኺሩ ምስ ኣሕሉቕ ሚእቲ፦ ምስ ኣዛርያስ ወዲ ይሮሓም፥ እስማኤል ወዲ ዮሃናን፥ ኣዛርያስ ወዲ ኢዮቤድ፥ መዓሴያስ ወዲ ዓዳያ፥ ኤልሻፋጥ ወዲ ዝክሪ ኪዳን ኣተወ። 2ብኵሉ ይሁዳ ተዘዋዊሮም ድማ ንሌዋውያን ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ንርእሲ ማይ ቤት እስራኤልን ኣኪቦም፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። 3ብዘለዉ እቶም ጉባኤ ድማ ኣብ ቤት ኣቦና ምስ ንጉስ ኪዳን ኣተዉ። ዮዳሄ ከዓ ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኣቦና ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ተስፋ ኸም ዝኣተወ፥ ወዲ ንጉስ ክነግስ እዩ። 4እዝ ክትገብርዎ ዘለኹም እዙይ እዩ፦ ካባኻትኩም ሲሶ፥ እቶም ብሰንበት ዝኣትዉ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ይኹኑ። 5ሲሶ ኣብ ቤተ መንግስቲ፥ ሲሶ ኣብ ደገ መሰረት፥ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቅፅሪ ቤት ኣቦና ይኹኑ። 6ብዘይ እቶም ካህናትን ዘገልግሉ ሌዋውያንን ናብ ቤት ኣቦና ዝኣቱ ሓደ እኳ ኣይሃሉ፤ ንሳቶም ቅዱሳት እዮም እሞ ክኣትዉ ይኽእሉ። ብዘለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ንኣቦና ይሓልዉ። 7እቶም ሌዋውያን ነፍሲ ወከፎም ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም ንንጉስ ይኸብዎ፤ ናብ ቤት ዝኣቱ ዅሉ ኸዓ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝመፅኦን ዝኸዶ ኵሉ ምስኡ ኩኑ።”
8እቶም ሌዋውያንን ብዘለዉ ይሁዳን ከምቲ ዮዳሄ እቲ ካህን ዝኣዘዞም ጌይሮም ገበሩ። ዮዳሄ እቲ ካህን ካብተን ክፍልታት ሓንቲ እኳ ስለ ዘይሰናበተ፥ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ዝኣትዉ ሰባቱን ነቶም ዝወፁ ወሰደ። 9ዮዳሄ እቲ ካህን ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ተዓቂቡ ዝነበረ ኲናትን ዓበይቲ ከምኡውን ኣናእሽቱ ዋልታታት ንጉስ ዳዊት ሃቦም። 10ነቶም ህዝቢ ኵሎም ነፍሲ ወከፎም ኣፅዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብ ደቡብ ወገን እቲ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ሰሜን ወገን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢን እቲ ቤተ መቕደስን እቲ ንጉስን ኣሰለፎም። 11ንወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ኣኽሊል ኣንበሩሉ፤ ኪዳን ሕጊ ድማ ሃብዎ፤ ኣንገስዎውን። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐቢኦም “ንጉስ ይንበር!” ኢሎም ዓው በሉ። a a v11 እቲ ምስክርነት፥ ቅዳሕ ናይ ኪዳን ሕጊ ኣቦና ነበረ፤ ነቲ ሓዱሽ ንጉስ ድማ፥ ብስልጣን ኣቦና እምበር ብናይ ባዕሉ ኸም ዘይገዝአ ምልክት ኮይኑ፥ ኣብ ኢዱ ተቐሚጡ ነበረ።
ቤት ኣቦና ነታ ብሓይሊ ዝነገሰት ንግስቲ ተውፅኣ
12ዓታልያ ድማ ድምፂ እቶም ዝጐዩን ንንጉስ ዘመስግኑን ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ኣብ ቤት ኣቦና ናብኣቶም መፀት። 13እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ እቲ ንጉስ ኣብ ኣፍ ደገ ኣብ ጥቓ ዓምዱ ደው ኢሉ ነበረ፤ እቶም ሓሉቕን ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ኣብ ጥቓኡ ነበሩ፤ ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ እናተሓጐሱ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፤ እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ ነቲ ምስጋና ይመርሕዎ ነበሩ። ሽዑ ዓታልያ ክዳውንታ ቐደደት፤ “ሻራ! ሻራ!” ኢላ ድማ ዓው በለት።
14ዮዳሄ እቲ ካህን ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “በቲ ሰልፊ ኣቢልኩም ኣውፅእዋ፤ ንዝስዕባ ዅሉ ድማ ብሰይፊ ቕተልዎ።” እቲ ካህን “ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ እሞ። 15ሒዞማ ድማ ናብ ኣፍ ደገ ኣፍራስ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ምስ በፅሐት፥ ኣብኡ ቐተልዋ።
ዮዳሄ ኪዳንን ቤትን ኣቦና ይመልስ
16ሽዑ ዮዳሄ ኣብ መንጎ ባዕሉ፥ ብዘለዉ እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን፥ ህዝቢ ኣቦና ኽኾኑ ኪዳን ኣተወ። 17ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት በዓል ከይዶም ኣፍረስዎ፤ መሰውኢታቱን ጣዖታቱን ሰበሩ፤ ንማታን ካህን በዓል ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቐተልዎ። 18ዮዳሄ ድማ ንቤት ኣቦና፥ ነቶም ዳዊት ኣብኡ ዝመደቦም ሌዋውያን ካህናት፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፃሒፉ ዘሎ ንኣቦና ዚሓርቕ መስዋእቲ ኸቕርቡ፥ ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞ ድማ ብሓጐስን ብደርፍን፥ ሓለቓ ገበሮም። 19ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ሰብ ከይኣቱ ኢሉ ኸዓ፥ ኣብ ደገታት ቤት ኣቦና ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኣቘመ። 20ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን ክቡራትን ገዛእቲ እቶም ህዝብን ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሲዱ፥ ንንጉስ ካብ ቤት ኣቦና ኣውሪዱ፥ በቲ ላዕለዋይ ደገ ኣቢሉ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተዎ፤ ኣብ ዙፋን መንግስቲ ድማ ኣቐመጦ። 21ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሓጐሱ፤ ዓታልያ ብሰይፊ ስለ እተቐተለት ከዓ፥ እታ ኸተማ ህድእ በለት።