ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ነቲ ክፉእ ንግስና ኣካዝ የፍርሶ

ኣካዝ ሓደ ዓመት ነገሰ፤ ኣዲኡ ዓታልያ ክፉእ ክገብር መኸረቶ፥ ኣብ ፍርዲ ኢዩ ኸዓ ሞተ። ሽዑ ዓታልያ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍአት — ብዘይ ሓደ ህፃን፥ ንሱ ብሰበይቲ እቲ ካህን ኣብ ቤት ኣቦና ንሽዱሽተ ዓመት ተሓቢኡ፥ ንሳ ኸዓ ትገዝእ ነበረት።

ምዕራፍ 22።

ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ እቶም ምስ ዓረብ ናብ ሰፈር ዝመፁ ወረርቲ ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ኣወዳት ቀቲሎምዎም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝ ኣብ ክንድኡ ኣንገስዎ። ስለዙይ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። ኣካዝ ኣብ ዕስራን ክልተን ዓመቱ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓደ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸዓ ዓታልያ፥ ጓል ጓል ዘንበሪ ነበረ። ንሱውን ብመንገድታት ቤት ኣክኣብ ከደ፤ ኣዲኡ ክፉእ ክገብር ትመኽሮ ነበረት እሞ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ከም ቤት ኣክኣብ ክፉእ ገበረ፤ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ንጥፍኣት መኻርቱ ኾይኖም ነበሩ እሞ። ብምኽሮም ድማ ከደ፤ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ኣራም ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋጋእ ኸደ፤ ኣብኡ ድማ ሶርያውያን ንኢዮራም ኣቝሰልዎ። ስለዙይ ካብቲ ኣብ ራማ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ኣራም ክዋጋእ እንተሎ ዝረኸቦ ቍስሊ ክሓዊ ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ተወጊኡ ስለ ዝነበረ፥ ክርእዮ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።

ጥፍኣት ኣካዝ ከዓ ናብ ኢዮራም ምስ ከደ ካብ ኣቦና ኾነ። ምስ በፅሐ ድማ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ናብ ኢዩ ወዲ ናሜሲ፥ ነቲ ኣቦና ንቤት ኣክኣብ ከጥፍእ ዝቐብኦ፥ ወፀ። ኢዩ ኣብ ቤት ኣክኣብ ፍርዲ እናፈፀመ ኸሎ፥ ነሕሉቕ ይሁዳን ነቶም ንኣካዝ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋት ኣካዝ ረኺቡ ቀተሎም። ንኣካዝ ድማ ደለዮ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ እንተሎ ተታሕዘ። ናብ ኢዩ ኣምፂኦም ቀተልዎ፤ ቀቢሮምዎ ድማ “ንሱ ወዲ ኢዮሳፍጥ፥ እቲ ብምሉእ ልቡ ንኣቦና ዝደለዮ እዩ” በሉ። ስለዙይ ቤት ኣካዝ ነታ መንግስቲ ክሕዛ ዝኽእል ሓይሊ ኣይነበሮን።

ኣብ ቤት ኣቦና እተሓብአ ህፃን

ዓታልያ ኣደ ኣካዝ ከዓ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ቤት ይሁዳ ከተጥፍእ ተንስአት። ይሆሻብዓት ጓል ንጉስ ግና ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ወሲዳ፥ ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዝነበሮም ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ኣውፂኣ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ሓብአቶም። ከምዙይ ይሆሻብዓት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሰበይቲ ዮዳሄ ካህን፥ ሓፍቲ ኣካዝ ከዓ፥ ካብ ዓታልያ ሓብአቶ እሞ ኣይቀተለቶን። ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ እናገዛኣት ከላ ድማ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስኣቶም ኣብ ቤት ኣቦና ተሓቢኡ ፀንሐ።