ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንስም ኣቦ ዝኸውን ቤት

ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ እቲ ንዳዊት ዘፍቀረ፥ ንስም ኣቦና ቤት ዝኸውን ዕንፀይትን ሰብ ሞያን ይሰድድ፤ ሰሎሞን ከዓ ኣብ ክንድኡ ስርናይን ዘይትን ይሰድድ፥ ክልቲኦም ነገስታት ድማ ኺዳን ይኣትዉ። ነዝ ኵሉ ዂዒቶም ንምውራድ ድማ፥ ሰሎሞን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ እስራኤላውያን እናተፈራረቑ ኣኽተተ።

ምዕራፍ 5።

ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ንጉስ ኮይኑ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ፥ ኣገልገልቱ ሰደደሉ፤ ኪራም ንዳዊት ኵልሻዕ የፍቅሮ ነበረ እዩሞ። ሰሎሞን ድማ ናብ ኪራም ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ ኣቦይ ዳዊት፥ ብዙርያኡ ውግኣት ስለ ዝኸበብዎ፥ ክሳዕ ኣቦና ንፀላእቱ ኣብ ትሕቲ ከብዲ ኣእጋሩ ዝገብሮም፥ ንስም ኣቦና ቤት ክሰርሕ ከም ዘይከኣለ ትፈልጥ ኢኻ። ሕዚ ግና ኣቦይ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሂቡኒ ኣሎ፤ ፀላኢ የለን፥ መቕሰፍቲ የለን።

እንሆ፥ ከምቲ ኣቦና ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፈዎ፦ “እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘንብሮ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ እቲ ቤት ክሰርሖ እዩ” ዝበሎ፥ ኣነ ኸዓ ንስም ኣቦይ ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ኣለኹ።

ስለዙይ ሕዚ ካብ ሊባኖስ ዝግባ ይቑረፀለይ። ኣገልገልተይ ምስ ኣገልገልትኻ ክሰርሑ እዮም፤ ከምቲ እትብሎ ዓስቢ ድማ ክህበካ እየ፤ ካባና ኸም ሲዶናውያን ገይሩ ዕንፀይቲ ዝቖርፅ ከም ዘየለ ትፈልጥ ኢኻሞ።

ኪራም ድማ ቃላት ሰሎሞን ሰሚዑ፥ የመና ተሓጐሰ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ዝገዝእ ጥበበኛ ወዲ ንዳዊት ዝሃቦ እግዚኣብሄር፥ ሎሚ ይመስገን።” ኪራም ድማ ናብ ሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “መልእኽትኻ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባን ፅሕድን እትደልዮ ዅሉ ክገብረልካ እየ። ኣገልገልተይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ዕንፀይቲ ከውርዱ እዮም፤ ኣነ ድማ ብባሕሪ ገይረ ኣሳፊፈ ናብቲ እትእዝዞ ቦታ ከብፅሖ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ክፈላልዮ እየ፤ ንስኻ ድማ ክትወስዶ ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ንቤተሰበይ ምግቢ ብምሃብ ድልየተይ ከተማልኣለይ ኢኻ።”

ከምዙይ ገይሩ ኸዓ ኪራም ንሰሎሞን ዝደለዮ ዅሉ ዕንፀይቲ ዝግባን ፅሕድን ሃቦ። ሰሎሞን ድማ ንኪራም ንቤተሰቡ ዝኸውን ዳርጋ ሚእትን ዕስራን ሽሕ መስፈሪ ስርናይን ዳርጋ ሚእትን ዕስራን መስፈሪ ዝፀለለ ዘይትን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ። ኣቦና ድማ ከምቲ ዘተስፈዎ ንሰሎሞን ጥበብ ሃቦ። ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ብሰላም ነበሩ፤ ክልቲኣቶም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።

ንጉስ ሰሎሞን ካብ ብዘላ እስራኤል ዓየይቲ ኣኽተተ፤ ብዝሒ እቶም ዝተኣኽተቱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ነበረ። በብወርሑ ዓሰርተ ሽሕ እናተፈራረቑ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ፤ ሓደ ወርሒ ኣብኡ፥ ክልተ ወርሒ ድማ ኣብ ቤቶም ይውዕሉ ነበሩ። ኣዶኒራም ነቶም ዓየይቲ ይመርሕ ነበረ። ሰሎሞን ድማ ፆር ዝፅዕኑ ሰብዓ ሽሕ፥ ኣብ ከረን ድማ እምኒ ዝዅዕቱ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ፤ ብዘይ እቶም ነቲ ስራሕ ዝቈፃፀሩን ነቶም ዝሰርሑ ህዝቢ ዝእዝዙን ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዓበይቲ ሓለፍቲ ሰሎሞን። ብትእዛዝ እቲ ንጉስ ድማ መሰረት እቲ ቤት ብፅሩብ እምኒ ምእንቲ ኽምስርቱ፥ ዓበይትን ክቡራትን ኣእማን ዀዓቱ። ሃነፅቲ ሰሎሞንን ሃነፅቲ ኪራምን ከምኡውን እቶም ጌባላውያን ድማ ነቲ ቤት ንምስራሕ ዕንፀይትን ኣእማንን ፀሪቦም ኣዳለዉ።