ረባት ወደቐት፥ ዳዊት ድማ ኣኽሊል ደፍአ
ኢዮኣብ ኣብ ረባት ይዋጋእ፥ ዳዊት ግና ኣብ ገዛ ይፀንሕ፥ ኣብዙይ ግና እቲ ንጉስ መፂኡ ነቲ ኣኽሊል ይወስድ። ድሕሪኡ ሰለስተ ንኣሽቱ ውግኣት ምስ ግዙፋት ፍልስጥኤማውያን፥ ነቲ ንእስራኤል ዝፀረፈ ሽዱሽተ ኣፃብዕ ዝነበሮ ሰብኣይ ሓዊስካ፤ ንሱ ኸዓ ብወዲ ሓው ዳዊት ተቐተለ።
20 1ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ኢዮኣብ ነቲ ሰራዊት ኣውፂኡ ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፍአ፤ ድሕሪኡ ድማ መፂኡ ንረባት ከበባ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ። ኢዮኣብ ድማ ንረባት ወቒዑ ኣፍረሳ። 2ዳዊት ድማ ኣኽሊል ካብ ርእሲ ንጉሶም ወሰደ፤ ንሱ ኸዓ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቂ ዝምዘን ነበረ፥ ክቡር ዕንቊውን ነበሮ፤ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተነብረ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ። 3ነቲ ኣብኣ ዝነበረ ህዝቢ ኣውፂኡ ድማ፥ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ኣስርሖም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ዳዊት ከምኡ ገበረለን። ሽዑ ዳዊትን ብዘለዉ ሰራዊቱን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
እቶም ዓበይቲ ሰባት ብኢድ እስራኤል ወደቑ
4ድሕሪዙይ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ኮነ። በቲ ዘመን እቱይ ሴቦካይ ሑሳታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሲፓይ ቀተሎ፤ ፍልስጥኤማውያንውን ተዋረዱ።
5መሊሶም ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኮነ። ኤልያናን ወዲ ያኢር ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኸም ከቢድ ዕንፀይቲ ዝረጐደ፥ ሓው ጎልያድ በዓል ጌት ዝኾነ ላሕሚ ቀተሎ። 6መሊሱ ድማ ኣብ ጌት ውግእ ተላዕለ። ኣብኡ ኸዓ ሓደ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢዱ ሽዱሽተ ኣፃብዕ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እግሩ ድማ ሽዱሽተ ኣፃብዕ፥ ብድምር ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕ ነበሮ፤ ንሱውን ካብ ራፋ ዝተወለደ እዩ። 7ንሱ ድማ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም፥ ዮናታን ወዲ ሳማ፥ ሓው ዳዊት፥ ወቒዑ ቐተሎ። 8እዚኣቶም ኣብ ጌት ንራፋ ዝተወለዱ ነበሩ፤ ብኢድ ዳዊትን ባሮቱን ድማ ወደቑ።