እቲ ገበል ተኣሰረ
ሰይጣን ሽሕ ዓመት ተኣሰረ፥ እቶም ነቲ ኣራዊት ዝነፀጉ ሰማእታት ድማ ነገሱ። ተፈቲሑ ኸዓ ንህዝብታት ንሓንቲ ናይ መወዳእታ ጊዜ ኣከቦም፥ ካብ ኣቦና ሓዊ ወሪዱ ድማ በልዖም። ሽዑ መፃሕፍቲ ተኸፍቱ፥ እቶም ምዉታን ከዓ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞት ባዕሉ ድማ ናብ ደገ ተደርበየ።
20 1ካብ ሰማይ ዝወርድ መልኣኽ ድማ ረአኹ፤ መፍትሕ መዓሙቝን ዓብዪ ሰንሰለትን ከዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። 2ነቲ ገበል፥ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን፥ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝበሃል፥ ሓዞ፤ ሽሕ ዓመት ድማ ኣሰሮ። 3ናብ መዓሙቝ ድማ ደርበዮ፤ ነቶም ህዝብታት ከየስሕት ክሳዕ እቲ ሽሕ ዓመት ዝውዳእ፥ ዓፅዩ ኣብ ልዕሊኡ ሓተሞ፤ ድሕሪኡ ንቑሩብ ጊዜ ክፍታሕ ኣለዎ።
4ዙፋናት ድማ ረአኹ፤ እቶም ኣብኣቶም ዝተቐመጡ ኸዓ ክፈርዱ ስልጣን ተቐበሉ። ስለ ምስክርነት ኢየሱስን ስለ ቓል ኣቦናን ርእሶም ዝተቘርፁ ነፍሳት ድማ ረአኹ፤ ንሳቶም ነቲ ኣራዊት ወይ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ነቲ ምልክቱ ኸዓ ኣብ ግምባሮም ወይ ኣብ ኢዶም ዘይተቐበሉ ነበሩ። ህያዋን ኮይኖም ድማ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። 5(እቶም ዝተረፉ ምዉታን ግና ክሳዕ እቲ ሽሕ ዓመት ዝውዳእ ህያዋን ኣይኮኑን።) እዛ እታ ቐዳመይቲ ትንሳኤ እያ። 6እቲ ኣብ ቐዳመይቲ ትንሳኤ ዝሳተፍ ብፁእን ቅዱስን እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን የብሉን፤ ካህናት ኣቦናን ክርስቶስን ኮይኖም ድማ፥ ምስኡ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።
ሰይጣን ተፈትሐ
7እቲ ሽሕ ዓመት ምስ ተወድአ፥ ሰይጣን ካብ ቤት ማእሰርቱ ክፍታሕ እዩ። 8ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንጎግን ማጎግን፥ ከስሕት ክወፅእ እዩ፤ ንውግእ ድማ ክእክቦም እዩ፤ ቑፅሮም ከዓ ኸም ሑፃ ባሕሪ እዩ። a a v8 ጎግን ማጎግን፥ ካብ ነብዪ ህዝቅኤል ዝተወስዱ፥ ኣንፃር ህዝቢ ኣቦና ንዝተኣከቡ ኵሎም ዓመፀኛታት ህዝብታት ምድሪ ዝውክሉ ምልክታት ደኣ እዮም እምበር፥ ክልተ ናይ ሓቂ ህዝብታት ኣይኮኑን። 9ናብ ምሉእ ግፍሓት ምድሪ ድማ ተዘርጊሖም ደየቡ፤ ንሰፈር ቅዱሳንን ነታ ፍቕርቲ ኸተማን ከበብዎም፤ ግና ካብ ኣቦና ኻብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስ ድማ ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ናይ ሓሰት ነብይን ዘለውዎ፥ ናይ ሓዊን ዲንን ቃላይ ተደርበየ። ለይትን መዓልትን ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክሳቐዩ እዮም።
እቲ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋን
11ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ድማ ረአኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታ ድማ ኣይተረኽበሎምን። b b v11 እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋን፥ ዙፋን ኣቦና እዩ። ዝነበረ ዅሉ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ይብል። 12ነቶም ምዉታን፥ ዓበይትን ናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ ድማ ተኸፍቱ፤ ካልእ ድማ፥ ማለት መፅሓፍ ህይወት፥ ተኸፈተ። እቶም ምዉታን ድማ ከከም ግብሮም፥ በቲ ኣብ መፃሕፍቲ ተፃሒፉ ዘሎ ተፈርዱ። 13ባሕሪ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፤ ሞትን ሲኦልን ድማ ነቶም ኣብኣቶም ዘለዉ ሃቡ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከከም ዝገበሮ ተፈርደ። 14ሞትን ሲኦልን ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዝ እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ማለት እቲ ቃላይ ሓዊ፥ እዩ። 15ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፃሒፉ ዘይተረኽበ ዝኾነ ሰብ፥ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ።