ኣቦ ንፋሲካ ሓደሶ
ፋሲካ ኣብ በረኻ ተብዐለ፤ እቶም ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሱ ሰባት ከዓ ብቐሊሉ ኣይተኸልከሉን — ኣቦና ድሕሪ ወርሒ ካልኣይ ምዱብ ጊዜ ሃቦም። እቲ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ዘሎ ደመና ድማ ንጕዕዞ ይውስን፦ እስራኤል ንሱ ምስ ተልዓለ ጥራሕ ይጐዓዝን ይሰፍርን።
9 1ኣቦና ኸዓ ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ካልኣይ ዓመት፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2“ደቂ እስራኤል ፋሲካ በቲ ምዱብ ጊዜኡ የብዕል። 3ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክመሲ እንተሎ፥ በቲ ውሱን ጊዜኡ፥ ከም ኵሉ ሕግጋቱን ኵሉ ፍርድታቱን ኣብዕልዎ።”
4ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም። 5ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ በረኻ ሲና፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካ ኣብዓሉ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ። 6ገሊኦም ሰባት ድማ ሬሳ ሰብ ብምንካእ ረኺሶም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን መፁ። 7እቶም ሰባት ድማ “ንሕና ሬሳ ሰብ ብምንካእ ረኺስና ኣለና። ስለምንታይ ደኣ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ቍርባን ኣቦና በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኻብ ምቕራብ ንኽልከል?” በልዎ።
8ሙሴ ኸዓ “ኣቦና ብዛዕባ እዙይ እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሳዕ ዝሰምዕ፥ ኣብዙይ ተፀበዩ” በሎም።
9ኣቦና ኸዓ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
10“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ካባኻትኩም ወይ ካብ ዘርእኹም ሓደ ሰብ ሬሳ ብምንካእ እንተ ረኺሱ፥ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተ ኣልዩ፥ ንሱ ኸዓ ንኣቦና ፋሲካ የብዕል። 11ኣብ ካልኣይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ የብዕል፤ ብቕጫን ብመሪር ሓምልን ገይሮም ይብልዕዎ። 12ክሳዕ ንግሆ ኻብኡ ኣይተርፍ፤ ዓፅሚ ኻብኡ ኣይስበሩ፤ ከም ኵሉ ሕጊ ፋሲካ ድማ የብዕል። 13እቲ ንፁህ ዝኾነ፥ ኣብ መገዲ ዘይከደ ሰብ ግና፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ ቍርባን ኣቦና በቲ ውሱን ጊዜኡ ኣየቕረበን እሞ፥ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ይቚረፅ፤ እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ኽፆር እዩ። a a v13 ‘ካብ ህዝቡ ምቚራፅ’ ማለት ካብ ማሕበር ኪዳን እስራኤል ብወግዒ ምውፃእ ማለት ነበረ።
14“ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና ድማ ንኣቦና ፋሲካ ኸብዕል እንተ ደለየ፥ ከም ሕግን ፍርድን ፋሲካ ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹን።”
እቲ ደመና መገዲ ይመርሕ
15እቲ ድንኳን፥ ማለት ድንኳን ምስክር፥ ኣብ ዝተኸለሉ መዓልቲ፥ ነቲ ድንኳን ደመና ጐልበቦ፤ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ከም ሓዊ ነበረ። 16ኵልሻዕ ድማ ከምኡ ነበረ፤ እቲ ደመና ብመዓልቲ ይጐልቦ፥ ብለይቲ ኸዓ ትርኢት ሓዊ ይኸውን ነበረ። 17እቲ ደመና ካብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ክለዓል እንተሎ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝዓረፈሉ ቦታ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ይሰፍሩ ነበሩ። 18ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ ኣቦና ይጐዓዙ፥ ብትእዛዝ ኣቦና ድማ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዝዓረፈሉ ዅሉ ጊዜ፥ ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ። 19እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ሓለዋ ኣቦና ይሕልዉ እምበር፥ ኣይጐዓዙን ነበሩ። 20ሓደ ሓደ ጊዜ ኸዓ፥ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ቑሩብ መዓልቲ ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ፤ ብትእዛዝ ኣቦና ይሰፍሩ፥ ብትእዛዝ ኣቦና ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። 21ሓደ ሓደ ጊዜ ኸዓ፥ እቲ ደመና ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ይፀንሕ ነበረ፤ ንግሆ እቲ ደመና ምስ ተልዓለ ድማ ይነቕሉ ነበሩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ፥ እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ይጐዓዙ ነበሩ። 22ክልተ መዓልቲ ኾነ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ፥ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ክሳዕ ዝፀንሕ፥ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ እምበር፥ ኣይጐዓዙን ነበሩ፤ ምስ ተልዓለ ኸዓ ይጐዓዙ ነበሩ። 23ብትእዛዝ ኣቦና ይሰፍሩ፥ ብትእዛዙ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ሓለዋ ኣቦ ይሕልዉ ነበሩ።