ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መለኸታት ኣቦ ንህዝቡ ይፅውዑ

ነቲ ህዝቢ ንምእካብን ሰፈራት ንምልዓልን ኣብ ውግእ ከዓ ናይ ህውከት ድምፂ ንምንፋሕን፥ ክልተ ናይ ብሩር መለኸት ተሰርሐ። ሽዑ እቲ ደመና ተልዓለ፤ እስራኤል ድማ ተሰሪዑ ኻብ ሲና ወፀ፤ ሙሴ ኸዓ ኣቦኡ ተሲኡ ንፀላእቱ ኣብ ቅድሚ ታቦት ክብትን ለመነ።

ምዕራፍ 10።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ክልተ ናይ ብሩር መለኸት ቀጥቂጥካ ስራሕ፤ ነቲ ህዝቢ ንምፅዋዕን ሰፈራት ንምልዓልን ተጠቐመለን። ክልቲአን ምስ ተነፍሐ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ናባኻ ይተኣከብ። ሓንቲ ጥራሕ እንተ ተነፍሐ ግና፥ እቶም ሓለቕቲ፥ ኣሕሉቕ ዓሌታት እስራኤል፥ ናባኻ ይተኣከቡ። ናይ ምልዓል ድምፂ ምስ ነፋሕኩም ከዓ፥ እቶም ብወገን ምብራቕ ዝሰፍሩ ሰፈራት ይጐዓዙ። ንኻልኣይ ጊዜ ናይ ምልዓል ድምፂ ምስ ነፋሕኩም ድማ፥ እቶም ብወገን ደቡብ ዝሰፍሩ ሰፈራት ይጐዓዙ፤ ንምጕዓዞም ናይ ምልዓል ድምፂ ንፍሑ። ነቲ ጉባኤ ንምትእኽኻብ ግና፥ ቀጥ ዝበለ ድምፂ ንፍሑ እምበር፥ ናይ ህውከት ድምፂ ኣይትንፍሑ። እቶም ደቂ ኣሮን፥ እቶም ካህናት፥ ነቲ መለኸት ይንፍሑ፤ እዙይ ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹንኩም። ኣብ ምድሪኹም ምስቲ ዝጨንቐኩም ፀላኢ ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም ከዓ፥ በቲ መለኸት ናይ ህውከት ድምፂ ንፍሑ፤ ኣብ ቅድመይ ድማ ክትዝከሩ፥ ካብ ፀላእትኹምውን ክትድሕኑ ኢኹም። ኣብታ ናይ ሓጐስኩም መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ምዱባት በዓላትኩምን ኣብ ሰርቂ ወርሕኹምን፥ ኣብ ልዕሊ ዝቃፀል መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹምን እቲ መለኸት ንፍሑ፤ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና መዘከርታ ይኹነልኩም። ኣነ ኣቦኹም እየ።”

ጕዕዞ ካብ ሲና ይጅምር

ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ፥ እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ ድንኳን ምስክር ተልዓለ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድረ በዳ ሲና ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ፤ እቲ ደመና ኸዓ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ዓረፈ። እዙይ ድማ ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ ቀዳማይ ምጕዓዞም ነበረ።

ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ በብሰራዊቶም ቅድሚት ተጕዓዘ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ከዓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ዛብሎን ከዓ ኤልያብ ወዲ ኬሎን ነበረ። እቲ ድንኳን ድማ ፈረሰ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ከዓ ተሰኪሞም ተጕዓዙ። ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ሮቤል በብሰራዊቶም ተጕዓዘ፤ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ከዓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ጋድ ከዓ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል ነበረ። እቶም ቀዓታውያን ድማ ነቲ ቅዱሳት ኣቕሑ ተሰኪሞም ተጕዓዙ፤ ቅድሚ ምብፅሖም ከዓ እቲ ድንኳን ተተኽለ።

ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም በብሰራዊቶም ተጕዓዘ፤ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ከዓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።

ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ድማ ደጀን ኵሎም ሰፈራት ኮይኑ በብሰራዊቶም ተጕዓዘ፤ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ዖክራን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ንፍታሌም ከዓ ኣኪሬ ወዲ ዔናን ነበረ። ደቂ እስራኤል ክጐዓዙ እንተለዉ፥ ብሰራዊቶም ዝጐዓዙሉ ስርዓት እዙይ ነበረ።

ሙሴ ድማ ንሆባብ ወዲ ራጉኤል እቲ ምድያማዊ፥ ሓሙ፥ ከምዙይ በሎ፦ “ናብቲ ኣቦና ‘ክህበኩም እየ’ ዝበሎ ቦታ ንጐዓዝ ኣለና። ምሳና ንዓ፥ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና፤ ኣቦና ንእስራኤል ፅቡቕ ተስፋ ኣትዩ እዩ እሞ።”

ሆባብ ግና “ኣይከይድን እየ፤ ናብ ገዛእ ምድረይን ናብ ገዛእ ህዝበይን ክምለስ እየ” በሎ።

ሙሴ ኸዓ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ክንሰፍር ከም ዘለና ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ በጃኻ ኣይትሕደገና፤ ንስኻ ኸዓ ኣዒንትና ኽትከውን ኢኻ። ምሳና እንተ መፂእኻ ኸዓ፥ እቲ ኣቦና ዝገብረልና ፅቡቕ ኵሉ፥ ንሕናውን ከምኡ ክንገብረልካ ኢና።”

ካብ እምባ ኣቦና ድማ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መንገዲ ተጕዓዙ፤ ታቦት ኪዳን ኣቦናውን መዕረፊ ቦታ ክደልየሎም፥ በቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መንገዲ ቀቅድሚኦም ከደ። a a v33 ኣቦና ኣብ ጕዕዞ እኳ ይኹን፥ መዕረፊ ቦታኦም ንምርካብ ቀቅድሚ ውሉዱ ኸደ፤ ንሱ እቲ ቀዲሙ ናብ ዘይከዶ ቦታ ንህዝቡ ዘይሰድድ፥ መሪሑ ዝመርሕ ጓሳይ እዩ። ካብ ሰፈር ክወፅኡ እንተለዉ ኸዓ፥ ደመና ኣቦና ብቐትሪ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። እቲ ታቦት ክጐዓዝ እንተሎ ድማ፥ ሙሴ “ተንስእ፥ ኦ ኣቦ! ፀላእትኻ ይበተኑ፤ እቶም ዝፀልኡኻ ኸዓ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። ምስ ዓረፈ ኸዓ፥ “ተመለስ፥ ኦ ኣቦ፥ ናብ ኣእላፋት እልፊ እስራኤል” ይብል ነበረ።