ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ቀይሕ ዓርሒ፦ ማይ ምንፅሃ

ጐደሎ ዘይብላ ቐይሕ ዓርሒ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ተቓፀለት፥ ሓሙዅሽታ ኸዓ ንማይ ምንፅሃ ተዓቀበ። ሬሳ ዝነኽአ ዅሉ ብሳልሰይትን ብሻውዐይትን መዓልቲ ይንፀግ — ሞት ዕሽሽ ኣይተብሃለን፥ ናብ መቕደስ ከይበፅሐ ይሕፀብ።

ምዕራፍ 19።

ኣቦና ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦

“እቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ስርዓት ሕጊ እዙይ እዩ፦ ጐደሎ ዘይብላ፥ ነውሪ ዘይብላ፥ ተቚሪና ዘይትፈልጥ ቀይሕ ዓርሒ ከምፅኡልካ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ንኣልኣዛር ካህን ድማ ሃቦ፤ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዋ፤ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ትሕረድ። ኣልኣዛር ካህን ድማ ኣፃብዕቱ ኣብ ደማ ጠሚዑ፥ ናብ ቅድሚት መራኸቢ ድንኳን ኣቢሉ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። እታ ዓርሒ ድማ ንሱ እናረአየ፥ ምስ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ፈርሱን ትቃፀል። እቲ ካህን ድማ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ዕንፀይቲ ፅሕድን ወሲዱ፥ ናብቲ ነታ ዓርሒ ዘቃፅል ሓዊ ይደርብዮም። እቲ ካህን ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ግና ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ዘቃፅላ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።

“ሓደ ንፁህ ሰብ ድማ ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ኣኪቡ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ኣብ ንፁህ ቦታ የንብሮ። ማሕበር እስራኤል ድማ ንማይ ምንፅሃ ይሕዝ፤ እዙይ ሓጢኣት የርሕቆ። እቲ ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዘኣከበ ድማ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ጓናን ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።

“ሬሳ ዝኾነ ሰብ ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን በዙይ ይንፃህ፤ ሽዑ ድማ ይነፅህ። ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን እንተ ዘይነፅሀ ግና ኣይነፅህን። ሬሳ፥ ማለት ሰብነት እቲ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ እሞ ርእሱ ዘይነፅሀ ዅሉ፥ ነቲ መሕደሪ ድንኳን ኣቦና የርክሶ፤ እቲ ሰብ እቱይ ከዓ ኻብ እስራኤል ይውገድ። ማይ ምንፅሃ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፅገ፥ ዝረኸሰ ኮይኑ ይነብር፤ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ይቀውም።

“እቲ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ሓደ ሰብ ኣብ ድንኳን እንተ ሞተ፥ ናብቲ ድንኳን ዝኣቱ ዅሉን ኣብቲ ድንኳን ዘሎ ዅሉን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን። መኽደን ዘይብሉ ኽፉት ኣቕሓ ዅሉ ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።

“ኣብ ሜዳ ብሰይፊ ዝተቐትለ ሰብ፥ ወይ ባዕሉ ዝሞተ ሬሳ፥ ወይ ዓፅሚ ሰብ፥ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ክሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኸውን።

“ነቲ ዝረኸሰ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝተቓፀለ ሓሙዅሽቲ ወሲዶም ኣብ ኣቕሓ የንብሩ፤ ካብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ድማ ኣብ ልዕሊኡ የፍስሶ። ሓደ ንፁህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ወሲዱ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዅሎምን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓፅሚ፥ ወይ ቅቱል፥ ወይ ሬሳ፥ ወይ መቓብር ዝነኽአን ይንፀግ። እቲ ንፁህ ሰብ ድማ ነቲ ዝረኸሰ ሰብ፥ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀጎ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ የንፅሆ። ንሱ ኸዓ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ይነፅህ። እቲ ዝረኸሰ እሞ ርእሱ ዘይነፅሀ ሰብ ዅሉ ግና፥ ንመቕደስ ኣቦና ኣርከስዎ እዩ እሞ፥ ካብ ማሕበር ይውገድ፤ ማይ ምንፅሃ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተነፅገን፤ ንሱ ርኹስ እዩ። እዙይ ንኣኣቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ፦ እቲ ማይ ምንፅሃ ዝንፅግ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ነቲ ማይ ምንፅሃ ዝነኽአ ድማ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። እቲ ዝረኸሰ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ድማ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ዝነኽአ ድማ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”