ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ማርያምን ኣሮንን ንሙሴ ተቓወምዎ

ማርያምን ኣሮንን ከም ሙሴ ብዝኸውን ንኣቦና ከም ዝዛረቡ ተዛረቡ። ንሱ ኸዓ ምስ ሙሴ ኣፍ ንኣፍ፥ ብሕቡእ ዘረባ ዘይኮነ ብግልፂ ከም ዝዛረብ መለሰሎም። ማርያም ለምፃም ኮይና ወፀት፤ ሙሴ ኸዓ ብኡብኡ ክትሓዊ ለመነ፤ ኵሉ እቲ ሰፈር ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ።

ምዕራፍ 12።

ማርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኩሻዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተዛረቡ፤ ኩሻዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነይሩ እዩ። ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኣቦና ብሙሴ ጥራሕ ድዩ ተዛሪቡ? ብኣናውንዶ ኣይተዛረበን?” ኣቦና ከዓ ሰምዖ።

እቲ ሰብኣይ ሙሴ ኸዓ ካብ ኩሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ፥ እምብዛ ትሑት ሰብኣይ ነበረ።

ኣቦና ብድንገት ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን “ንስኻትኩም ሰለስቴኹም ናብ መራኸቢ ድንኳን ውፁ” በሎም። ሰለስቲኦም ከዓ ወፁ።

ኣቦና ድማ ብዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው በለ፤ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቀረቡ።

ከምዙይ ድማ በለ፦ “ቃላይ ስምዑ፤ ኣብ መንጎኹም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ ኣቦኻትኩም፥ ብራእይ እግለፀሉ፥ ብሕልሚ ድማ እዛረቦ። ሙሴ ባርያይ ግና ከምኡ ኣይኮነን፤ ኣብ ብዘሎ ቤተይ እሙን እዩ። ምስኡ ኣፍ ንኣፍ፥ ብግልፂ እዛረቦ እምበር፥ ብሕቡእ ዘረባ ኣይኮነን፤ ንሱ ድማ መልክዕ ኣቦና ይርኢ። ስለ ምንታይ ደኣ ንባርያይ ሙሴ ኽትዛረቡ ዘይፈራህኩም?”

ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሊኦም እምብዛ ተቘጥዐ፤ ከደ ድማ።

እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ እንሆ ማርያም ለምፃም ኮይና፥ ከም በረድ ፃዕዳ ኾነት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ገፁ መለሰ፤ እንሆ ኸዓ ለምፃም ኮይና ፀንሐት። ኣሮን ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “እልምነካ ኣለኹ ጐይታይ፥ ነቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮ ሓጢኣትን በደልን ኣብ ልዕሌና ኣይትሓዝ። ከምቲ ኻብ ማህፀን እኖኡ ኺወፅእ እንተሎ ፍርቂ ስጋኡ ተበሊዑ ዘሎ ምዉት ህፃን ኣይትግበራ።”

ሙሴ ድማ ናብ ኣቦና ኸምዙይ ኢሉ ኣእወየ፦ “በይዛኻ ኦ ኣቦ፥ በይዛኻ ኣሕውያ!”

ኣቦና ግና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንትፍ እንተ ዝብላ ጥራሕ እኳ፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ዕፀዋ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ምለሳ።”

ማርያም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ተዓፅወት፤ እቶም ህዝቢ ድማ ክሳዕ እታ ዝተመለሰትላ ኣይተጓዕዙን። ድሕሪ እዙይ እቶም ህዝቢ ኻብ ሓፄሮት ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ሰፈሩ።