ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንካህናቱ ይገንሆም

ንካህናት ብቐጥታን ብትሪን ተዛረብዎም — ትምህርቶም ንህዝቢ ኣዐንቀፈ፥ ስለዙይ ክብሪ ተኣልየሎም። ሽዑ ኸዓ እቲ ኣብ ቤት ዝኾነ ተመሳሳሊ ጥልመት፦ ኵላትና ሓደ ኣቦ የብልናን ዶ? ኣቦና ነቲ ኪዳን መርዓ መስከረ፥ ምፍራሱ ኸዓ ይፅልኦ።

ምዕራፍ 2።

ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም እዩ።

እንተ ዘይሰማዕኩም፥ ንስመይ ከተኽብሩ ድማ ኣብ ልብኹም እንተ ዘይኣንበርኩምዎ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ይብል ኣሎ፥ መርገም ክሰደልኩም እየ፥ ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ። ኣብ ልብኹም ስለ ዘይተንብሩዎ፥ ድሮ ረጊመዮም እየ። ንዘርእኹም ክገስፆ እየ፥ ኣብ ገፅኩምውን ፀረቕ ክነስንስ እየ፥ እቲ ፀረቕ በዓላትኩም፤ ምስኡ ድማ ክትውሰዱ ኢኹም። ሽዑ እዝ ትእዛዝ እዙይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኽክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፥ እቲ ምስ ሌዊ ዝገበርክዎ ኪዳነይ ምእንቲ ክቐውም፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ይብል ኣሎ። “እቲ ምስኡ ዝገበርክዎ ኪዳን፥ ህይወትን ሰላምን ነበረ፤ ብፍርሓት ክሕልዎ ድማ ሃብክዎ፤ ንሱ ኸዓ ፈርሃኒ፥ ኣብ ቅድሚ ስመይውን ኣንቀጥቀጠ። ናይ ሓቂ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፥ ኣብ ከንፈሩ ኸዓ ዓመፅ ኣይተረኽበን፤ ብሰላምን ብቕንዕናን ምሳይ ተመላለሰ፥ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ። ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልዋ፥ ህዝቢ ኸዓ ካብ ኣፉ ሕጊ ይደሊ፤ ንሱ መልኣኽ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዩ እሞ። ንስኻትኩም ግና ካብ መንገዲ ኣግለስኩም፥ ብትምህርትኹም ድማ ንብዙሓት ኣዐንቀፍኩም፤ ንኪዳን ሌዊ ኣበላሸኹምዎ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ይብል ኣሎ። ስለዙይ ንመንገድታተይ ስለ ዘይሓሊኹም፥ ብትምህርትኹም ግና ኣድልዎ ስለ ዝገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን ትሑታትን ገበርኩኹም።”

ንሓድሕድን ንኣቦን ጠለምቲ

ኵላትና ሓደ ኣቦ የብልናን? ሓደ ኣቦ ኣይፈጠረናን? ስለ ምንታይ ንኪዳን ኣቦታትና እናኣረከስና ንሓድሕድና ንጠላለም? ይሁዳ ጠለመ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ፅያፍ ተገብረ። ይሁዳ ነቲ ኣቦና ዘፍቅሮ መቕደስ ኣርከሶ፥ ጓል ጓና ኣምላኽ ድማ ኣእተወ። ነቲ ኸምዙይ ዝገብር ሰብ፥ ዝኾነ ይኹን፥ ነቲ ንኣቦ ሰራዊት ሰማይ መስዋእቲ ዘቕርብ እኳ ኾይኑ፥ ኣቦና ኻብ ድንኳናት ያእቆብ ይወግዶ።

ካልኣይ እትገብርዎ ድማ እዝ እዩ፦ ንመሰውኢ ኣቦና ብንብዓት ትኽድንዎ፥ እናበኸኹምን እናቘዘምኩምን፤ ንሱ ነቲ መስዋእቲ ደጊም ስለ ዘይርኢ፥ ካብ ኢድኩም ብሓጐስ ስለ ዘይቅበሎ እዩ። ንስኻትኩም ከዓ “ስለ ምንታይ?” ትብሉ ኣለኹም። ኣቦና ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ናይ ንእስነትካ ሰበይትኻን ምስክር ስለ ዝኾነ እዩ፤ ንስኻ ጠሊምካያ ኢኻ፥ ንሳ ግና ብፃይትኻን ብኪዳን ሰበይትኻን እያ። እቲ ኣቦ ምስ ሰበይትኻ ሓደ ኣይገበረካን? ብስጋን ብመንፈስን ናቱ ኢኻ። ንሱ እንታይ ይደሊ? ካብ ሕብረትኩም ናይ እግዚኣብሄር ውሉድ። ስለዙይ ንመንፈስካ ሓሉ፤ ሓደ እኳ ነታ ናይ ንእስነቱ ሰበይቱ ኣይጠልማ።

“ኣነ ፍትሕ እፀልኦ እየ” ይብል ኣሎ ኣቦና፥ ኣቦ እስራኤል፥ “ነቲ ኽዳኑ ብዓመፅ ዝኽድን ድማ” ይብል ኣሎ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። ስለዙይ ንመንፈስኩም ሓልዉ፤ ጠለምቲ ኣይትኹኑ።

ብዘረባኹም ንኣቦና ኣድከምኩምዎ። ንስኻትኩም ግና “ብኸመይ ኣድከምናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሎም እቶም ክፉእ ዝገብሩ ኣብ ቅድሚኡ ፅቡቓት እዮም፥ ንሱ ኸዓ ይፈትዎም” ብምባልኩም፥ ወይ ድማ “እቲ ኣቦ ፍርዲ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።