ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምድሪ ድምፂ ኣኽናፍ

ልኡኻት ካብ ርሑቕን ዝፍራህን ህዝቢ ብመራኽብ ሻምብቆ ይጐይዩ፥ ኣቦና ግና ህድእ ኢሉ ኸም ፅሩይ ሃሩር ኣብ ብርሃን ፀሓይ ክጥምት ከም ዝኾነ ይብል፥ ክሳዕ እታ ቅድሚ ዓፂድ ዘላ ጊዜ — ሽዑ ድማ ነቲ ጨናፍር ይቖርፆ። ድሕሪኡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ መባእ ናብ እምባ ፅዮን የምፅእ።

ምዕራፍ 18።

ኦ ምድሪ ድምፂ ኣኽናፍ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባታት ኵሽ ዘለኺ፥ ብባሕሪ ልኡኻት እትሰድድ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ድማ ብመራኽብ ሻምብቆ እትሰድድ። ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት፥ ናብ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ቘርበትውን ዘለዎ ህዝቢ፥ ናብቲ ካብ ቀረባ ክሳዕ ርሑቕ ዝፍራህ ህዝቢ፥ ናብ ሓያልን ዝረግፅን፥ ሩባታት ንምድሩ ዝመቕልዎ ህዝቢ ኪዱ። ኣቱም ኵሉኹም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትቕመጡ፦ ኣብ እምባታት ሰንደቕ ምስ ተተኽለ፥ ርኣዩ! መለኸት ምስ ተነፍሐ ኸዓ፥ ስምዑ!

ኣቦና ከምዙይ ኢሉ ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፦ ህድእ ክብል፥ ካብ ማሕደረይ ድማ ክጥምት እየ፥ ከም ፅሩይ ሃሩር ኣብ ብርሃን ፀሓይ፥ ከም ደመና ኣውሊ ኸዓ ኣብ ሃሩር ዓፂድ።

ቅድሚ ዓፂድ፥ ዕምበባ ምስ ተወድአ እቲ ዝመዓጐ ዕምበባ ድማ ዝበስል ዘሎ ወይኒ ምስ ኮነ፥ ኣቦና ነቲ ጨንፈር ብፅንፅልሒት ክቖርፆ እዩ፥ ነቲ ዝሰፍሕ ጨናፍር ድማ ኣልጊሱ ክድርብዮ እዩ። ኵሎም ነተን ናይ እምባታት ኣሞራታትን ነቶም ኣራዊት ምድርን ተሓዲጎም ክተርፉ እዮም። እተን ኣሞራታት ኣብ ልዕሊኦም ሓጋይ ክሓልፉ፥ ኵሎም ኣራዊት ምድሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ክረምቲ ክሓልፉ እዮም። በቲ ጊዜ እቲ፥ ካብ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ቘርበትውን ዘለዎ ህዝቢ፥ ካብቲ ካብ ቀረባ ክሳዕ ርሑቕ ዝፍራህ ህዝቢ፥ ሓያልን ዝረግፅን ህዝቢ፥ ሩባታት ንምድሩ ዝመቕልዎ፥ ናብ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ መባእ ክቐርብ እዩ፦ ናብ ስፍራ ስም ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ናብ እምባ ፅዮን።