ኣቦ ካብቶም ዘይኣምኑ ይርሕቕ
ካህናትን ንጉስን ህዝብን ኵሎም ይፅውዑ። ግብርታቶም ክምለሱ ኣይሓድጎምን፥ ምስ ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ክደልዩ ምስ ከዱ ድማ ኣቦና ድሮ ርሒቑ እዩ። ንርእሱ ንይሁዳ ብስብስ ንኤፍሬም ድማ ኣንበሳ ይብሎ፥ ደሓር ከዓ ፀበባ ናብኡ ክሳዕ ዝመልሶም ይኸይድ።
5 1ኣቱም ካህናት፥ እዙይ ስምዑ! ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ! ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ስምዑ! ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ድማ ዝተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝኾንኩም፥ እቲ ፍርዲ ንኣኻትኩም እዩ።
2“እቶም ዓመፀኛታት ናብ ምሕራድ ኣዕሚቖም ኣለዉ፥ ኣነ ግና ንዅሎም ክቐፅዖም እየ። 3ንኤፍሬም እፈልጥ እየ፥ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን፤ ኦ ኤፍሬም፥ ሕዚ ኣመንዚርካ ኢኻ፥ እስራኤልውን ረኺሱ ኣሎ።
4“ግብርታቶም ናብ ኣቦኦም ክምለሱ ኣይሓድጎን፥ መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም ስለ ዘሎ፥ ንኣቦናውን ኣይፈልጡን። 5ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ብሓጢኣቶም ይዕንቀፉ፤ ይሁዳውን ምሳታቶም ይዕንቀፍ። 6ምስ ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ንኣቦና ክደልዩ ክኸዱ እዮም፥ ግና ኣይረኽብዎን፤ ካባታቶም ርሒቑ እዩ። 7ንኣቦና ጠሊሞምዎ፥ ድቓላ ውሉድ ወሊዶም እዮም እሞ። ሕዚ እታ ሓዳስ ወርሒ ምስ ገራሁኦም ክትበልዖም እያ።
8“ኣብ ጊብዓ መለኸት፥ ኣብ ራማ ድማ መለኸት ንፍሑ። ኣብ ቤት ኣዌን ናይ ውግእ ኣውያት ኣስምዑ፤ ኦ ብንያም፥ ንድሕሬኻ ጠምት! 9ኤፍሬም ብመዓልቲ መቕፃዕቲ ዑና ክኸውን እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገዳት እስራኤል ብርግፅ አፍልጥ ኣለኹ። 10መሳፍንቲ ይሁዳ ከምቶም ናይ ወሰን እምኒ ዝደፍኡ ኮይኖም እዮም፤ ኣብ ልዕሊኦም ቍጥዓይ ከም ማይ ከፍስስ እየ። 11ኤፍሬም ግፉዕ እዩ፥ ብፍርዲ ድማ ደቒቑ እዩ፥ ነቶም ከንቱ ጣዖታት ክስዕብ ስለ ዝመረፀ። 12ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ብልዕ፥ ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ብስብስ እየ።
13“ኤፍሬም ሕማሙ ረአየ፥ ይሁዳ ድማ ክፉት ቍስሉ ረአየ፤ ስለዙይ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ጐየየ፥ ናብቲ ዓብዪ ንጉስ ድማ ተማሕፀነ። እቲ ንጉስ እቲ ግና ከሕውየኩም፥ ነቲ ዝበስበሰ ቍስልኹምውን ክፍውሶ ኣይኽእልን እዩ። 14ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እየ። ኣነ ባዕለይ ክቕዳድ እሞ ክኸይድ እየ፤ ክወስድ እየ፥ ዘድሕንውን የለን። 15ናብ መሕደሪየይ ተመሊሰ ክኸይድ እየ፥ ንበደሎም ክሳዕ ዝእመኑን ገፀይ ክሳዕ ዝደልዩን፤ ብፀበባኦም ኣፅኒዖም ክደልዩኒ እዮም።”