ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣርባዕተ ነገስታት ኣንፃር ሓሙሽተ

ኣርባዕተ ነገስታት ንሓሙሽተ ሰዓርዎም፥ ሎጥ ከዓ ምስ ምርኮ ሰዶም ተማረኸ። ኣብራም ድማ ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱ ዝተዓለሙ ኣውፂኡ፥ ናብ ሰሜን ሰጎጎም፥ ንዅሉ ኸዓ መለሶ። ንመልከፄዴቅ፥ ካህን ልዑል ኣቦና፥ ዕሽር ሃቦ፤ ኣቑሑ ሰዶም ግና ኣበየ፥ ሓደ ንጉስ 'ንኣብራም ኣነ ኣህብተምክዎ' ከይብል።

ምዕራፍ 14።

ብዘመን ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖር፥ ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳር፥ ከዶርላዖሜር ንጉስ ዔላም፥ ቲዳል ንጉስ ኣህዛብ፥ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ምስ ቤራ ንጉስ ሰዶም፥ ብርሻ ንጉስ ገሞራ፥ ሺንኣብ ንጉስ ኣዳማ፥ ሸሜቤር ንጉስ ሰቦይም፥ ንጉስ ቤላ ከዓ፥ ንሳ ዞዓር እያ፥ ተዋግኡ። ኵሎም እዚኣቶም ኣብ ለሰ ሲዲም፥ ንሳ ባሕሪ ሞት እያ፥ ብሓደ ተኣከቡ። a a v3 እብራይስጢ፦ ባሕሪ ጨው። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ንከዶርላዖሜር ተገዝኡ፤ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ግና ዓመፁ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ከዓ ከዶርላዖሜርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መፂኦም ነቶም ኣብ ኣሽተሮት ቃርናይም ዝነበሩ ራፋውያን፥ ነቶም ኣብ ሃም ዝነበሩ ዙዚም፥ ነቶም ኣብ ሻዌ ቂርያታይም ዝነበሩ ኤሚም ሰዓርዎም፥ ነቶም ኣብ እምባኦም ሴይር ዝነበሩ ሖራውያንውን ክሳዕ እታ ኣብ ወሰን ምድረ በዳ ዘላ ኤልፋራን ሰዓርዎም። ተመሊሶም ድማ ናብ ዔንሚሽጳጥ፥ ንሳ ቃዴስ እያ፥ ከዱ፤ ንዅሉ ግዝኣት ኣማሌቃውያን፥ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሓፃፆን ታማር ዝነብሩ ኣሞራውያን ወቕዕዎም። ንጉስ ሰዶም፥ ንጉስ ገሞራ፥ ንጉስ ኣዳማ፥ ንጉስ ሰቦይም፥ ንጉስ ቤላ ከዓ፥ ንሳ ዞዓር እያ፥ ወፂኦም ኣብ ለሰ ሲዲም ኣብ መንፅሮም ንውግእ ተሰለፉ፥ ምስ ከዶርላዖሜር ንጉስ ዔላም፥ ቲዳል ንጉስ ኣህዛብ፥ ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖር፥ ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳር፤ ኣርባዕተ ነገስታት ምስ ሓሙሽተ።

ለሰ ሲዲም ከዓ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ሃደሙ፤ ገሊኣቶም ከዓ ኣብኡ ወደቑ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ እምባታት ሃደሙ። እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ኵሉ ኣቑሑ ሰዶምን ገሞራን ኵሉ ምግቦምን ወሲዶም ከዱ። ንሎጥ ወዲ ሓው ኣብራም ምስ ንብረቱ ወሲዶም ከዱ፤ ሎጥ ኣብ ሰዶም ይቕመጥ ነበረ እሞ።

ሓደ ዘምለጠ ሰብ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንኣብራም ዕብራዊ ነገሮ። ኣብራም ከዓ ኣብ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ዓኔርን ዝኾነ፥ ይቕመጥ ነበረ፤ ንሳቶም ድማ ተሓባበርቲ ኣብራም ነበሩ። ኣብራም ዘመዱ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱ ሰለስተ ሚእቲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዝተዓለሙ ሰባት ኣውፂኡ ክሳዕ ዳን ሰዓቦም። በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ንሱ ምስ ባሮቱ ተመቓቒሎም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ እታ ብሰሜን ደማስቆ ዘላ ሆባ ድማ ሰዓብዎም። ኵሉ ኣቑሑ ኸዓ ኣምለሰ፤ ንዘመዱ ንሎጥ ምስ ጥሪቱ፥ ነተን ኣንስትን ነቶም ህዝብን ድማ ኣምለሰ።

ካብ ውግእ ምምላስ

ኣብራም ንከዶርላዖሜርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሰዒሩ ተመሊሱ ምስ መፀ፥ ንጉስ ሰዶም ኣብ ለሰ ሻዌ፥ ንሳ ለሰ ንጉስ እያ፥ ክቕበሎ ወፀ። መልከ ፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ከዓ እንጀራን ወይንን ኣውፅአ። ንሱ ኸዓ ካህን ኤል ኤልዮን፥ ልዑል ኣቦና ነበረ። b b v18 መልከ ፄዴቅ፥ ካህን ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንኢየሱስ ዝመስል ምሳሌ እዩ፤ ኣብ እብራውያን 7 ድማ ነቲ ኢየሱስ ዝፍፅሞ ስርዓት ዘለዎ ዘለኣለማዊ ካህንን ንጉስን ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ንኣብራም ባረኾ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ኣብራም በቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ኤል ኤልዮን፥ ልዑል ኣቦና ይባረኽ። ነቶም ፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ዝሃበ ኤል ኤልዮን፥ ልዑል ኣቦና ድማ ይባረኽ።” ሽዑ ኣብራም ካብ ኵሉ ነገር ዓስራት ሃቦ።

ንጉስ ሰዶም ድማ ንኣብራም “ነቶም ሰባት ሃበኒ፤ ነቲ ኣቑሑ ግና ንስኻ ውሰዶ” በሎ።

ኣብራም ግና ንጉስ ሰዶም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ናብ ኣቦና፥ ኤል ኤልዮን፥ ልዑል፥ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ፥ ኢደይ ኣልዒለ ፅኑዕ ማሕላ ምሒለ ኣለኹ፤ ካብ ናትካ ሓንቲ ፈትሊ ኾነ መእሰሪ ሳእኒ እኳ ኸም ዘይወስድ፥ ‘ኣነ ንኣብራም ኣሃብተምክዎ’ ከይትብል፥ ኣነ ዋላ ሓንቲ ኣይወስድን፤ ብዘይ እቲ መንእሰያት ዝበልዕዎ፥ ነቶም ምሳይ ዝኸዱ ዓኔርን ኤሽኮልን መምሬን ከዓ ግደኦም ይኹኖም፤ ንሳቶም ግደኦም ይውሰዱ።”