ናብ መሰውኢ ምምላስ
ብሰንኪ ሃብቲ ጓሶት ኣብራምን ጓሶት ሎጥን ተባኣሱ፥ ኣብራም ድማ ንወዲ ሓዉ ቅድም ክመርፅ ሓደጎ። ሎጥ ከዓ ነታ ብማይ ዝረወየት ጐልጐል ዮርዳኖስ ወሲዱ ናብ ሰዶም ኣቕንዐ። ኣብራም ድማ በቲ ዝተረፈ ተሪፉ፥ ኣቦና ንሰሜንን ደቡብን ምብራቕን ምዕራብን ክጥምት ነገሮ፦ እታ ዅላ ምድሪ ናይ ዘርኡ ከም ዝኾነት።
13 1ኣብራም ድማ ካብ ግብፂ ናብ ምድሪ ነጌብ ደየበ፤ ንሱን ሰበይቱን ዘለዎ ዅሉን፥ ሎጥውን ምስኡ። 2ኣብራም ድማ ብጥሪትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብተመ። 3ካብ ነጌብ ተልዒሉ ድማ በብጕዕዞኡ ናብ ቤቴል ከደ፥ ናብቲ ኣቐዲሙ ድንኳኑ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ተኺሉ ዝነበረ ቦታ፥ 4ናብቲ ኣቐዲሙ መሰውኢ ዝሰርሐሉ ቦታ ድማ ከደ። ኣብኡ ኸዓ ኣብራም ስም ኣቦና ፀውዐ። 5እቲ ምስ ኣብራም ዝጓዓዝ ዝነበረ ሎጥ ድማ፥ ንሱውን ኣባጊዕን ከፍትን ድንኳናትን ነበሮ። 6እታ ምድሪ ድማ ብሓደ ኾይኖም ኽትሕዞም ኣይከኣለትን፤ ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ ኸዓ ብሓደ ኽቕመጡ ኣይከኣሉን። 7ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብራምን ጓሶት ሎጥን ድማ ባእሲ ተልዓለ። ከነዓናውያንን ፌርዛውያንን ከዓ በቲ ጊዜ እቲ ኣብታ ምድሪ ይነብሩ ነበሩ። 8ኣብራም ድማ ንሎጥ ከምዙይ በሎ፦ “ኣነን ንስኻን፥ ጓሶተይን ጓሶትካን ኣሕዋት ኢና እሞ፥ ኣይንባኣስ። 9እታ ዅላ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻዶ ኣይኮነትን? በጃኻ ኻባይ ተፈለ፤ ንፀጋም እንተ ኸድካ ኣነ ናብ የማን ክኸይድ እየ፤ ንየማን እንተ ኸድካ ድማ ኣነ ናብ ፀጋም ክኸይድ እየ።”
10ሎጥ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ፥ እታ ዅላ ጐልጐል ዮርዳኖስ ክሳዕ ዞዓር፥ ከም ገነት ኣቦና፥ ከም ምድሪ ግብፂ፥ ብዅሉ ወገን ማይ ዝረወየት ከም ዝነበረት ረአየ። እዙይ ከዓ ኣቦና ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአ ቕድሚኡ ዝነበረ እዩ። 11ሎጥ ድማ እታ ዅላ ጐልጐል ዮርዳኖስ ንባዕሉ ሓረየ፤ ንምብራቕ ኣቢሉ ኸዓ ተጕዓዘ፤ ክልቲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። 12ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ፤ ሎጥ ከዓ ኣብ ማእኸል ከተማታት እታ ጐልጐል ተቐመጠ፤ ድንኳናት ድማ ክሳዕ ሰዶም ተኸለ። 13ሰብ ሰዶም ድማ እኩያት ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኸዓ የመና ሓጢኣት ይገብሩ ነበሩ።
14ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈለየ ድማ፥ ኣቦና ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦ “ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ፥ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ጠምት። 15እዛ ትርእያ ዘለኻ ኵላ ምድሪ ንዘለኣለም ንኣኻን ንደቅኻን ክህበኩም እየ እሞ። 16ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ክገብሮ እየ፤ ሓመድ ምድሪ ክቝፀር ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ። 17ተስእ፤ ነታ ምድሪ ብንውሓታን ብገፊሓን ኪዳ፤ ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ።”
18ኣብራም ድማ ድንኳናት ኣልዒሉ፥ ከይዱ ኣብ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ ኣብ ኬብሮን ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ንኣቦና መሰውኢ ሰርሐ።