እቲ ንመስፍን እተዓቘረ ዕፁው ደገ
እቲ ናብ ምብራቕ ዝጠመተ ደገ፥ ኣቦና ብእኡ ኣትዩ እዩ እሞ፥ ንዘለኣለም ዕፁው እዩ። ብልቦም ዘይተገረዙ ጓኖት ድማ ካብ መቕደስ ይኽልከሉ። እቶም ደድሕሪ ጣዖታት ዝዞሩ ሌዋውያን ንደጌታት ይሕልዉ እምበር ኣብ መሰውኢ ኣየገልግሉን፥ ደቂ ሳዶቅ ግና የገልግሉ። ስርዓታት ድማ ብዛዕባ ኽዳን፥ ፀጉሪ፥ መርዓን ሓዘንን እዩ።
44 1ሽዑ ናብቲ ናብ ምብራቕ ዝጠመተ ናይ ወፃኢ ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ንሱ ኸዓ ዕፁው ነበረ። 2ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ደገ እዙይ ዕፁው ይኹን። ኣቦና ብእኡ ኣትዩ እዩ እሞ፥ ኣይኽፈት፥ ሓደ እኳ ብእኡ ኣይእቶ፤ ስለዙይ ዕፁው ይኹን።” 3“እቲ መስፍን፥ እቲ መስፍን ባዕሉ ጥራሕ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እንጀራ ኽበልዕ ኣብኡ ይቀመጥ። ብመእተዊ ኣዳራሽ እቲ ደገ ይእቶ፥ በቲ ዝኣተዎ መንገዲ ድማ ይውፃእ።”
4ሽዑ ብደገ ሰሜን ናብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ኣእተወኒ። ጠሚተ ኸዓ፥ እንሆ ክብሪ ኣቦና ንቤቱ መሊእዎ ነበረ፤ ኣነ ድማ ብገፀይ ተደፋእኹ።
5ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ኦ ወዲ ሰብ፥ ኣቕልብ፥ ብዓይንኻ ርአ፥ ብእዝንኻ ኸዓ ብዛዕባ ስርዓትን ሕግጋትን ቤተይ ዝነግረካ ዘለኹ ዅሉ ስማዕ። ንመእተዊ እቲ ቤተ መቕደስን ንዅሉ መውፅኢ እቲ መቕደስን ኣስተብህል።”
6ነታ ዓመፀኛ ቤት እስራኤል ድማ ከምዙይ በሎም፦ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ቤት እስራኤል፥ ኵሉ ርኽሰትኩም ይኣኽለኩም!” 7ነቲ መግበይ፥ ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸለኹም፥ ብልቦምን ብስጋኦምን ዘይተገረዙ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹም ንቤተይ ኣርኪስኩሞ። ብዅሉ ርኽሰትኩም ድማ ኪዳነይ ኣፍሪስኩም። 8ነቲ ቅዱስ ነገረይ ኣይሓሎኹሞን፤ ኣብ ክንዳኹም ግና ንኻልኦት ሓለውቲ መቕደሰይ ገበርኩም። 9እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ዝነብሩ ዅሎም ጓኖት፥ ልቡ ተሪሩ ብስጋኡ ዘይተገረዘ ዝኾነ ጓና፥ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።
10እቶም ሌዋውያን ግና፥ እስራኤል ካባይ ምስ ሰሓተ ካባይ ርሒቖም ዝኸዱ፥ ደድሕሪ ጣዖታቶም ካባይ ዝዞሩ፥ በደሎም ክፅወሩ እዮም። 11ንሳቶም ኣብ መቕደሰይ የገልግሉ፤ ንደጌታት እቲ ቤተ መቕደስ እናተዓዘቡ ኣብ ውሽጡ ኸዓ የገልግሉ። ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ መስዋእትን ንህዝቢ ይሓርዱ፥ ከገልግልዎም ድማ ተዳልዮም ደው ይብሉ። 12ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ንህዝቢ ኣገልጊሎም፥ ንእስራኤል ናብ በደል ኣዕኒቒፎሞም እዮም እሞ፥ ኣብ ልዕሊኦም ኢደይ ኣልዒለ መሓልኩ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ፤ ንሳቶም ድማ በደሎም ክፅወሩ እዮም። 13ከም ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ናባይ ኣይቕረቡ፤ ናብ ዝኾነ ቅዱስ ነገረይ ወይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳነይ ኣይቕረቡ፤ ነቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ነውሮም ክፅወሩ እዮም። 14ይኹን እምበር፥ ነቲ ቤተ መቕደስ፥ ኵሉ ኣገልግሎቱን ኣብኡ ዝግበር ዅሉን ክሕልዉ ክሾሞም እየ።
15እቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ካህናት፥ ደቂ ሳዶቅ፥ እስራኤል ካባይ ምስ ሰሓተ ንመቕደሰይ ዝሓለዉ ግና፥ ከገልግሉኒ ናባይ ይቕረቡ፤ ስብሕን ደምን ከቕርቡለይ ኣብ ቅድመይ ይቑሙ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ። 16“ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ይእተዉ፤ ከገልግሉኒ ናብ መኣደይ ይቕረቡ፥ ዕዮይ ድማ ይሕልዉ።
17ናብ ደጌታት እቲ ውሽጣዊ ኣፀድ ክኣትዉ ኸለዉ፥ ናይ ሃሪ ክዳን ይልበሱ፤ ኣብ ደጌታት እቲ ውሽጣዊ ኣፀድ ኣብ ውሽጡን እናገልገሉ ኸለዉ፥ ፀጕሪ በጊዕ ኣይልበሱ። 18ኣብ ርእሶም ናይ ሃሪ መጠምጠምያ፥ ኣብ ሕቘኦም ድማ ናይ ሃሪ ስረ ይልበሱ፤ ዘረህፆም ዝኾነ ነገር ኣይልበሱ። 19ናብ ህዝቢ ናብ ናይ ወፃኢ ኣፀድ ክወፅኡ ኸለዉ፥ ነቲ ዘገልግሉሉ ክዳውንቲ ኣውፂኦም ኣብ ቅዱሳት ክፍልታት የንብርዎ፥ ካልእ ክዳን ድማ ይልበሱ፤ ብክዳውንቶም ንህዝቢ ቅድስና ምእንቲ ኸየሕልፉሎም።
20ርእሶም ኣይላፅዩ፥ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑ፤ ፀጕሮም ይቘርፁ እምበር። 21ዝኾነ ካህን ናብ ውሽጣዊ ኣፀድ ክኣቱ ኸሎ፥ ወይኒ ኣይስተ። 22መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ ኣየእትዉ፤ ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝኾና ደናግል ወይ መበለት ካህን ደኣ የእትዉ እምበር። 23ነቲ ህዝበይ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ፍልልይ ይምሃርዎ፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ብኸመይ ከም ዝፈልዩ ድማ የርእይዎም።
24ኣብ ባእሲ ድማ ብፍርደይ ይፈርዱ። ኣብ ኵሉ ምዱባት በዓላተይ ሕግታተይን ስርዓታተይን ይሕልዉ፤ ሰናብተይ ከዓ ይቕድሱ።
25ካህን ናብ ምዉት ሬሳ ቀሪቡ ርእሱ ኣየርክስ፤ ብዛዕባ ኣቦኡ፥ እኖኡ፥ ወዱ፥ ጓሉ፥ ሓዉ፥ ወይ ዘይተመርዐወት ሓፍቱ ግና ይረክስ። 26ድሕሪ ምንፃሁ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ይቘፅሩሉ። 27ኣብታ ናብ ቅዱስ ቦታ፥ ናብ ውሽጣዊ ኣፀድ፥ ኣብኡ ኸገልግል ዝኣትወላ መዓልቲ፥ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ።
28“ርስቶም እዙይ እዩ፦ ኣነ ርስቶም እየ። ኣብ እስራኤል ርስቲ ኣይትሃብዎም፤ ኣነ ርስቶም እየ። 29ንሳቶም መስዋእቲ እኽሊ፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይበልዑ፤ ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዅሉ ድማ ናታቶም ይኸውን። 30ካብ ኵሉ ዓይነት በዅራት ዘዝበለፀ፥ ካብ ኵሉ እተቕርብዎ መባእ ድማ፥ ንካህናት ይኹን። ኣብ ቤትኩም ምርቓ ምእንቲ ኽሓድር፥ ካብ ቀዳማይ ብዅዕኹም ንካህናት ሃቡ። 31ካህናት ካብ ዑፍ ኮነ ካብ እንስሳ፥ ባዕሉ ዝሞተ ወይ ብኣራዊት ዝተቐትለ ዝኾነ ነገር ኣይብልዑ።”