ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምፍሳስ ደም ኢየሩሳሌም ተቓልዐ

ኣንፃር ኢየሩሳሌም ዝቐረበ ክሲ፦ መሳፍንቲ ደም የፍስሱ፥ ኣቦን ኣደን ይንዕቑ፥ ንስደተኛታት ይገፍዑ፥ ካህናት ቅዱስን ርኹስን ይሕውሱ፥ ነቢያት ድማ ነዙይ ኵሉ ይሽፍንዎ። ኣቦና ምእንቲ እታ ምድሪ ኣብ ክፍተት ደው ዝብል ሓደ ሰብ ከም ዝደለየ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይረኸበ ይዛረብ።

ምዕራፍ 22።

ቃል ኣቦና ኸዓ ናባይ መፀ፦

ንስኻ ኸዓ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነታ ናይ ደም ኸተማ ክትፈርደላዶ ኢኻ? እምበኣር ኵሉ ፅያፋ ኣፍልጣ። ከምዙይ በል፦ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ኣብ ውሽጥኺ ደም እትኽዒ፥ ጊዜኺ ኸዓ ዝመፅአ ኸተማ፥ ንነብስኺ ጣዖታት ጌርኪ ኸዓ ረኺስኪ። በቲ ዘፍሰስክዮ ደም በዲልኪ፤ በቲ ዝገበርክዮም ጣዖታት ከዓ ረኺስኪ። ፍፃመኺ ኣቕሪብኪ፥ ናብ መወዳእታ ዓመታትኪ በፂሕኪ። ስለዙይ ንኣህዛብ መፀረፊ፥ ንዅሉ ሃገር ከዓ ባጫ ክገብረኪ እየ። እቶም ናባኺ ዝቐረቡን ካባኺ ዝረሓቑን፥ ኣቲ ርኽስቲ ስም ዘለኺ፥ ዕግርግር ዝመልኣኪ ኸተማ፥ ክላገፁልኪ እዮም።

እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍ መስፍን እስራኤል ኣባኺ ኾይኑ ደም ንምፍሳስ ስልጣኑ ይጥቀም ኣሎ። ኣባኺ ንኣቦን ኣደን ነዓቑ፤ ኣባኺ ንስደተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን መበለትን በደሉ። ንቅዱሳት ነገረይ ነዓቕኪ፥ ሰናብተይ ከዓ ኣርከስኪ። ኣባኺ ደም ንምፍሳስ ዝህቅኑ ሓመይቲ ኣለዉ፤ ኣባኺ ኣብ ኣኽራን ዝበልዑን ኣብ ማእኸልኪ ነውሪ ዝገብሩን ኣለዉ። ኣባኺ ምስ ኣንስቲ ኣቦታቶም ይድቅሱ፤ ኣባኺ ነተን ብእዋን ርኽሰት ፅገአን ዘለዋ ኣንስቲ ኣነወሩወን። ሓደ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ፅያፍ ይገብር፤ ካልእ ንሰበይቲ ወዱ ብነውሪ የርክሳ፤ ካልእ ከዓ ንሓብቱ፥ ጓል ኣቦኡ፥ ይዕምፃ። ኣባኺ ደም ንምፍሳስ ጉቦ ይቕበሉ፤ ንስኺ ሃረፃን ወለድን ወሲድኪ፥ ካብ ጐረባብትኺ ብዓመፅ ረብሓ ረኺብኪ። ንኣይ ከዓ ረሲዕክኒ ይብል ጐይታ ኣቦ።

ሕዚ እንሆ፥ በቲ ዝረኸብክዮ ረብሓ ዓመፅን በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን ኣእዳወይ ኣጣቕዕ ኣለኹ። ኣብታ ምሳኺ ዝገብረላ መዓልቲ፥ ልብኺ ክፀንዕ፥ ኣእዳውኪ ኽሕይላዶ እየን? ኣነ ኣቦኺ ተዛሪበ እየ፤ ክገብሮ ኸዓ እየ። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትነኪ፥ ኣብ ሃገራት ከዓ ክዝርገኪ፥ ርኽሰትኪ ኸዓ ካባኺ ከጥፍእ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ምስ ረኸስኪ፥ ኣነ ኣቦኺ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ።

ሽዑ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ንኣይ ጐሓፍ ኮይኖምኒ ኣለዉ፤ ኵሎም ኣብ ውሽጢ እቶን ነሃስን ታኒካን ሓፂንን ዓረርን እዮም፤ ጐሓፍ ብሩር እዮም። ስለዙይ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵላትኩም ጐሓፍ ስለ ዝኾንኩም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ። ብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ታኒካን ንምምካኾም ናብ እቶን ኣእትዮም ሓዊ ከም ዝነፍሕሉ፥ ከምኡ ድማ ብቍጥዓይን ብነድርየይን ክእክበኩም፥ ኣብኡ ኣቐሚጠ ኸዓ ከምክኸኩም እየ። ክእክበኩም፥ በቲ ሓዊ ቍጥዓይ ከዓ ክነፍሐኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ውሽጡ ክትመኽኹ ኢኹም። ብሩር ኣብ ውሽጢ እቶን ከም ዝመክኽ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጡ ክትመኽኹ ኢኹም። ሽዑ ኣነ ኣቦኹም ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ክትፈልጡ ኢኹም።

መሊሱ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገራ፦ ንስኺ ዘይተፀረየት፥ ብመዓልቲ ቍጥዓ ኸዓ ዝናም ዘይወረደኪ ምድሪ ኢኺ። ነብያታ ኣብ ውሽጣ ተማሳጢሮም ኣለዉ፤ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ግዳዮም ይምንጥሉ፤ ነፍሳት በሊዖም ሃብትን ክቡር ንብረትን ይወስዱ፤ ኣብ ውሽጣ ኸዓ ብዙሓት መበለታት ገይሮም። ካህናታ ንሕገይ ጠሓሱ፥ ንቅዱሳት ነገረይ ከዓ ኣርከሱ፤ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣየምሃሩን፤ ካብ ሰናብተይ ከዓ ኣዒንቶም ሓብኡ፤ ስለዙይ ኣብ ማእኸሎም ተረኺሰ ኣለኹ። ሹመኛታታ ግዳይ ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም፤ ረብሓ ዓመፅ ንምርካብ ደም የፍስሱ፥ ነፍሳት ከዓ የጥፍኡ። ነብያታ ድማ ብሓሰት ራእይን ብሓሰት ጥንቆላን ይኽውሉሎም፤ ኣቦና እንተይተዛረበ ኸሎ፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ይብሉ ኣለዉ። ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፅን ምዝማትን ይፍፅሙ፤ ንድኻን ንፅጉምን ይጨቍኑ፥ ንስደተኛ ኸዓ ፍትሒ ይኽልክሉ።

ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸየጥፍኣ፥ መንደቕ ዝሃንፅን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ቦታ ዝቐውምን ሰብ ኣብ ማእኸሎም ደለኹ፤ ሓደ እኳ ግና ኣይረኸብኩን። ስለዙይ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፥ በቲ ሓዊ ነድርየይ ከዓ ወድኣኽዎም፤ መንገዶም ኣብ ርእሶም ኣውረድኩ ይብል ጐይታ ኣቦ።