ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ገንሸል ነተን ማሕተማት ከፈተ

ፈረሰኛታት ሓደ ብሓደ ይወፁ፦ ምስዓር፥ ህልቂት፥ ንሓደ እንጀራ ናይ መዓልቲ ዓስቢ፥ ደሓር ከዓ ሞት። ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ እቶም ሰማእታት ንልዑል ኣቦ ክሳዕ መዓዝ ኢሎም ይሓቱ፥ ገና ቅሩብ ጊዜ ክፅበዩ ድማ ይእዘዙ። ኣብ ሻድሸይቲ ማሕተም እቶም ሓያላት ይሕብኡ፥ ነቶም ኣኻውሕ ድማ ክወድቑ ይልምኑ።

ምዕራፍ 6።

ኢየሱስ እቲ ገንሸል፥ ካብተን ሸውዓተ ማሕተማት ንሓንቲ ኺኸፍት ረአኹ፤ ካብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ሓደ ድማ ብድምፂ ነጎዳ “ንዓ!” ክብል ሰማዕኹ። ጠመትኩ ድማ፥ እንሆ ፀዓዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ፈረሰኛ ኸዓ ቀስቲ ሒዙ ነበረ። ኣኽሊልውን ተውሃቦ፤ እናሰዓረ ድማ ኽስዕር ወፀ።

እቲ ገንሸል ነታ ኻልአይቲ ማሕተም ምስ ከፈተ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ “ንዓ!” ክብል ሰማዕኹ። ካልእ ከም ሓዊ ዝቐይሕ ፈረስ ድማ ወፀ። እቲ ፈረሰኛ ኸዓ ሰላም ካብ ምድሪ ኼልግስ፥ ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዝቐታተሉ ኺገብር ስልጣን ተውሃቦ፤ ዓብዪ ሰይፊ ድማ ተውሃቦ።

እቲ ገንሸል ነታ ሳልሰይቲ ማሕተም ምስ ከፈተ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ “ንዓ!” ክብል ሰማዕኹ። ጠመትኩ ኸዓ፥ እንሆ ፀሊም ፈረስ ነበረ፤ እቲ ፈረሰኛ ድማ ሚዛን ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። ኣብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ድምፂ ዝመስል ሰማዕኹ፦ “ሓደ መስፈሪ ስርናይ ብዓስቢ ሓንቲ መዓልቲ፥ ሰለስተ መስፈሪ ስገም ድማ ብዓስቢ ሓንቲ መዓልቲ ይኹን፤ ነቲ ዘይትን ነቲ ወይንን ግና ኣይትጕዳእ!”

እቲ ገንሸል ነታ ራብዐይቲ ማሕተም ምስ ከፈተ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ “ንዓ!” ክብል ሰማዕኹ። ሃሳስ ፈረስ ድማ ረአኹ። ስም እቲ ፈረሰኛ ኸዓ ሞት ነበረ፤ ሲኦል ድማ ይስዕቦ ነበረ። ንሞት ከምኡውን ንሲኦል ድማ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ብኣራዊት ምድርን ኣብ ርብዒ ምድሪ ኺቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም።

ነታ ሓምሸይቲ ማሕተም ምስ ከፈተ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ፥ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣቦና ከምኡውን ስለ እቲ ዝሓዝዎ ምስክርነት ዝተቐተሉ ረአኹ። ዓው ኢሎም ድማ “ኦ ልዑል ኣቦ፥ ቅዱስን ሓቀኛን፥ ክሳዕ መዓዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፥ ደምናውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘይትበቅለልና?” ኢሎም ፀውዑ። a a v10 ‘ልዑል’ ዝብል ቃል፥ ሓድሽ ኪዳን ንላዕለዋይ ስልጣን ኣቦና ጥራሕ ዝሕዞ መዓርግ እዩ፤ እቶም ሰማእታት ድማ ነገራት ከቕንዕ ኵሉ ስልጣን ሒዙ ኸም ዘሎ ጌሮም ናብኡ ይምህለሉ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ፀዓዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ እቶም ከምቲ ንሳቶም ዝተቐተልዎ ኽቕተሉ ዘለዎም ኣገልገልቲ ብፆቶም ከምኡውን ኣሕዋቶም ቍፅሮም ክሳዕ ዝመልኡ ድማ፥ ገና ቅሩብ ጊዜ ኽዓርፉ ተባህሎም።

እቲ ገንሸል ነታ ሻድሸይቲ ማሕተም ኪኸፍት ረአኹ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ፀጕራዊ ጨርቂ ፀለመት፤ ምልእቲ ወርሒ ድማ ከም ደም ኮነት፤ ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ከምቲ ኦም በለስ ብብርቱዕ ንፋስ ምስ ተነቅነቐ ዘይበሰለ ፍሬታቱ ዘውድቕ፥ ናብ ምድሪ ረገፉ። ሰማይ ድማ ከም ጥቕላል መፅሓፍ ተጠቕለለ፤ ኵሉ እምባን ደሴትን ከዓ ካብ ቦታኡ ተንቀሳቐሰ። ነገስታት ምድሪ፥ ዓበይትን ሓለቕቲ ሰራዊትን፥ ሃብታማት ከምኡውን ሓያላት፥ ኵሉ ባርያ ኾነ ናፃ ድማ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ። ነቶም እምባታትን ኣኻውሕን ድማ “ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ እግዚኣብሄር፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸል ድማ ሕብኡና!” በልዎም። “እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ገንሸልን በፂሓ እያሞ፥ ኪፃወራ ዝኽእል መን እዩ?”