ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንሰንበት ዝኸውን መዝሙር

መዝሙር። ንመዓልቲ ሰንበት ዝኸውን መዝሙር።

መዝሙር ሰንበት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጊዜታት። ሓጥኣን ከም ሳዕሪ ቀልጢፎም ይበቕሉ ይጠፍኡ ድማ፤ ፃድቃን ግና ቀስ ኢሎም ከም ተምርን ዝግባን ይዓብዩ፥ ኣብ እርጋኖም ገና ፍረ እናፈረዩ ልሙዓት ኮይኖም ይነብሩ፥ ኣብ ኣፀድ ኣቦና ስለ ዝተኸሉ።

ምዕራፍ 92።

ንኣቦና ምምስጋን፥ ኦ ልዑል፥ ንስምካ ድማ ምዝማር ፅቡቕ እዩ፥ ምሕረትካ ብጊሓት፥ ሓቅነትካ ድማ ብለይቲ ምንጋር፥ ብዓሰርተ ኣውታር ዘለዎ መሳርሕን ብበገናን፥ ብዜማ መሰንቆ። ኦ ኣቦና፥ ብግብርኻ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፤ ብግብሪ ኣእዳውካ ብሓጐስ እዝምር ኣለኹ። ኦ ኣቦና፥ ግብርኻ ኽንደይ ዓብዪ እዩ! ሓሳባትካ የመና ዓሚቝ እዩ! እቲ ዘይለባም ሰብ ኣይፈልጥን፥ ዓሻ ድማ ነዙይ ኣየስተውዕሎን፦

ሓጥኣን ከም ሳዕሪ እኳ እንተ በቘሉ፥ ኵሎም ዓመፀኛታት ድማ እንተ ዓንበቡ፥ ንዘለኣለም ንጥፍኣት ተፈሪዶም እዮም። ንስኻ ግና፥ ኦ ኣቦና፥ ንዘለኣለም ኣብ ላዕሊ ኢኻ። ኦ ኣቦና፥ እንሆ ፀላእትኻ፥ እንሆ ፀላእትኻ ክጠፍኡ እዮም፤ ኵሎም ዓመፀኛታት ድማ ክብተኑ እዮም። ንቀርነይ ግና ከም ናይ ሓርሽ ልዕል ኣበልካ፤ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐቢአ ኣለኹ። ኣዒንተይ ነቶም ዝፀናተዉኒ ፀላእተይ ረኣያ፤ ኣእዛነይ ድማ ጥፍኣት እቶም ዝለዓሉኒ ሓጥኣን ሰምዓ። ፃድቕ ከም ተምሪ ይዕምብብ፤ ከምቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ ይዓቢ። ኣብ ቤት ኣቦና ዝተኸሉ፥ ኣብ ኣፀድ ኣቦና ይዕምብቡ። ገና ፍረ ይፈርዩ፤ ኣብ እርጋን ርሱናትን ልምሉማትን ኮይኖም ይነብሩ፥ ኣቦና ቅኑዕ ምዃኑ ንምንጋር፤ ንሱ ኸውሐይ እዩ፥ ኣብኡ ድማ ዓመፃ የለን።