ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቲ ንጉስ ይሕጐስ

ንመራሒ መዘምራን። መዝሙር ዳዊት።

እቶም ህዝቢ ነቲ ህይወት ለሚኑ ዝተቐበለ፥ ብብዙሕ በረከት ተቐቢሉ ብወርቂ ኸዓ ዝተኸለለ ንጉስ የብዕልሉ። ትውክልቱ ኣብ ገዛእ ግብሩ ዘይኮነ፥ ብኣቦና ብምእማን እዩ፤ ኢዱ ድማ ነቶም ዝተንኰሉሉ ዅሎም ክትረኽቦም እያ።

ምዕራፍ 21።

ኦ ኣቦና፥ እቲ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፤ ብምድሓንካ ኸዓ ኽንደይ የመና ዕልል ይብል! ነቲ ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፤ እቲ ኸናፍሩ ዝለመናኻ ድማ ኣይከላእኻዮን። ብብዙሕ በረከት ክትቅበሎ መፃእኻ እሞ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ኣኽሊል ፅሩይ ወርቂ ገበርካሉ። ህይወት ኻባኻ ለመነ፥ ሃብካዮውን፤ ነዊሕ ዕድመ ንዘለኣለመ ኣለም። a a v4 እታ “ህይወት ንዘለኣለመ ኣለም” እትብል ውህበት ናይቲ ዳዊታዊ ንጉስ፥ ኣብ ኢየሱስ፥ እቲ ሞት ክሕዞ ዘይከኣለ ዝተንስአ ንጉስ፥ ምልኣታ ትረክብ። ክብሩ ብምድሓንካ ዓብዪ እዩ፤ ድምቀትን ግርማን ኣልበስካዮ። ብርግፅ ዘይውዳእ በረከት ሃብካዮ፤ ብሓጐስ ገፅካ ድማ ኣሐጎስካዮ። እቲ ንጉስ ብኣቦና ይኣምን እዩ እሞ፤ ብምሕረት እቲ ልዑል ኣቦና ኸዓ ኣይናወፅን እዩ።

ኢድካ ንዅሎም ፀላእትኻ ክትሕዝ እያ፤ የማነይቲ ኢድካ ነቶም ዝፀልኡኻ ኽትሕዝ እያ። ምስ ትግለፅ ከም እቶን ዝነድድ ክትገብሮም ኢኻ። ኣቦና ብቍጥዓኡ ክውሕጦም እዩ፤ ሓዊ ከዓ ክበልዖም እዩ። ንዘርኦም ካብ ምድሪ ከተጥፍእ ኢኻ፤ ንደቆም ከዓ ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ። ክፉእ እኳ እንተ ተንኰሉልካን ውዲት እንተ ሓሰቡ፥ ክዕወቱ ኣይኽእሉን እዮም። ፍላፃታት ናብ ገፆም ምስ ተቕንዕ፥ ዝባኖም ከም ዝመልሱ ክትገብሮም ኢኻ እሞ።

ኦ ኣቦና፥ ብሓይልኻ ልዕል በል! ንሓይልኻ ኽንዝምርን ከነመስግንን ኢና።