ካብ ሓመድ ናብ መኣዲ መሳፍንቲ
እቲ ሕቶ ኣቦና፥ ኣብ ክንድኡ ልዕል ኢሉ ተቐሚጡ ከሎ፥ ከመይ ኢሉ ክሳዕ ክንድኡ ታሕቲ ይርኢ ዝብል እዩ። እቲ መልሲ ኸዓ ትሕት ምስ በለ ዝገብሮ እዩ፦ ንድኻ ካብ ኵምራ ሓሙዅሽቲ ኣልዒሉ ምስ መሳፍንቲ ከም ዝቕመጥ ይገብር፥ ነታ መኻን ሰበይቲ ድማ ደቂ ዝመልአ ገዛ ይህባ።
ምዕራፍ 113።
113 1ሃሌሉያ! ኣቱም ባሮት ኣቦና፥ ኣመስግንዎ፤ ንስም ኣቦና ኣመስግኑ። 2ስም ኣቦና ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኹን። 3ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራብ፥ ስም ኣቦና ክምስገን እዩ። 4ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። 5ከም ኣቦና፥ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ መን ኣሎ፥ 6እቲ ናብ ሰማያትን ምድርን ንኽርኢ ትሕት ዝብል? 7ነቲ ድኻ ካብ ሓመድ የተስኦ፥ ንፅጉም ከዓ ካብ ኵምራ ሓሙዅሽቲ የልዕሎ፤ 8ምስ መሳፍንቲ፥ ምስ መሳፍንቲ ህዝቡ ንኼቐምጦም። 9ነታ መኻን ሰበይቲ ኣብ ገዛኣ፥ ሕጉስቲ እኖ ውሉድ ከም እትኸውን የንብር። ሃሌሉያ!