ናይ ኣቦ ሕንቅሕንቅሊተይ ብዛዕባ ክልተ ንስሪ
ብዛዕባ ክልተ ኣንስር፥ ፂፃ ፅሕድን ዝተተኽለ ኦም ወይንን ሕንቅሕንቅሊት፥ ከም ሴዴቅያስ ነቲ ንባቢሎን ዝመሓሎ ማሕላ ኣፍሪሱ ንፈረስ ናብ ግብፂ ዝዝርግሕ ተተርጎመ። ካብኡ ኣይከምልጥን እዩ። ኮይኑ ግና ኣቦና ኣብ እምባ እስራኤል ገዛእ ልምሉም ፂፃኡ ኸም ዝተክል በለ።
17 1ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦
2“ኦ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፥ ምሳሌ ድማ ተዛረቦም፤ 3ከምዙይ ድማ በሎም፥ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዓበይቲ ኣኽናፍ፥ ነዋሕቲ ክነቲትን ብብዙሕ ሕብሪ ዝመልአ ብዙሕ ፀጕርን ዘለዎ ዓብዪ ንስሪ፥ ናብ ሊባኖስ መፀ፤ ፂፃ እቲ ፅሕዲ ኸዓ ወሰደ። 4ነቲ ዝለዓለ ለጋግ ጨናፍሩ ቘሪፁ፥ ናብ ሃገር ንግዲ ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ። 5ድሕሪኡ ኸዓ ካብ ዘርኢ እታ ምድሪ ወሲዱ ኣብ ልምዕቲ ምድሪ ተኸለ፤ ከም ዓረ ምእንቲ ኽዓቢ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ኣንበሮ። 6በቘለ ድማ፥ ጨናፍሩ ናብቲ ንስሪ ዘቕንዐ፥ ሱሩ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ፥ ትሑትን ዝርግርግ ዝበለን ኦም ወይኒ ኾነ። ከምዙይ ድማ ኦም ወይኒ ኾይኑ ጨናፍር ኣውፅአ፥ ጨንፈር ድማ ሰደደ። 7ዓበይቲ ኣኽናፍ፥ ብዙሕ ፀጕርን ዘለዎ ካልእ ዓብዪ ንስሪ ግና ነበረ፤ እዝ ኦም ወይኒ እዙይ ድማ ካብቲ ዝተኸለሉ ቦታ ንላዕሊ ካብኡ ዝበዝሐ ማይ ምእንቲ ኽረክብ፥ ሱሩ ናብኡ ኣጠወየ፥ ጨናፍሩ ድማ ናብኡ ዘርግሐ። 8ጨናፍር ምእንቲ ኸብቍልን ፍረ ኽፈሪን ክቡር ኦም ወይኒ ኽኸውንን፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት፥ ኣብ ፅብቕቲ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ።’”
9ከምዙይ በሎም፥ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ይሰልጦዶ? ሱሩ ነቒሉ ፍሪኣ ድማ ቀንጢቡ፥ ኵሉ ሓድሽ ልምሉም ቆፅሉ ኣይነቅፅን ድዩ? ብሱሩ ንምንቓሉ ድማ ሓያል ቅልፅም ኮነ ብዙሕ ህዝቢ ኣየድልን። 10ተተኺሉ እኳ እንተ ኾነ፥ ይሰልጦዶ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ወቕዖ፥ ፈፂሙ ኣይነቅፅን ድዩ? ኣብቲ ዝበቘለሉ ቦታ ኸዓ ፈፂሙ ይነቅፅ።”
11ሽዑ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
12“ነቲ ዓመፀኛ ቤት ከምዙይ በሎም፦ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ንንጉሳን ሹመኛታትን ወሲዱ ኸዓ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 13ካብ ዘርኢ ንጉስ ሓደ ወሲዱ፥ ኣምሒሉ ምስኡ ኪዳን ኣተወ፤ ንሓያላት እታ ምድሪ ድማ ማረኾም፤ 14እዙይ ከዓ፥ እታ መንግስቲ ተዋሪዳ መሊሳ ከይትትስእ፥ ኪዳኑ ብምሕላው ግና ምእንቲ ኽትነብር እዩ። 15ሴዴቅያስ ግና ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ፤ ፈረስን ብዙሕ ሰራዊትን ምእንቲ ኽረክብ ድማ ልኡኻት ናብ ግብፂ ለአኸ። ይሰልጦዶ? እዙይ ዝገብር ሰብከ የምልጥዶ? ኪዳን ኣፍሪሱ ኸምልጥ ይኽእል ዶ?’
16“ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል ጐይታ ኣቦ፥ ኣብታ እቲ ዘንገሶ ንጉስ ዝነብረላ ባቢሎን ክመውት እዩ፤ መሓላኡ ነዒቑ ኪዳኑ ድማ ኣፍሪሱ እዩ። 17‘ፈርዖን ምስ ሓያል ሰራዊቱን ብዙሕ ጭፍራን፥ ብዙሕ ህይወት ንምጥፋእ መኽበቢ ድፍዒ ምስ ተደየበን መኽበቢ መናድቕ ምስ ተሰርሐን፥ ኣብ ውግእ ኣይሕግዞን እዩ። 18ነቲ መሓላ ነዓቖ፥ ነቲ ኪዳን ኣፍረሶ፤ ኢዱ ሂቡ ኸሎ፥ እዝ ዅሉ ገይሩ ኣሎ እሞ ኣየምልጥን እዩ።’”
19ስለዙይ ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ዝነዓቖ መሓላይን ዘፍረሶ ኪዳነይ ኣብ ርእሱ ኸውርዶ እየ። 20‘መርበይ ኣብ ልዕሊኡ ክዝርግሕ እየ፤ ኣብ መፈንጠረይ ድማ ክተሓዝ እዩ። ናብ ባቢሎን ከምፅኦ እየ፤ በቲ ዝኸድዓኒ ክድዐት ድማ ኣብኡ ኽፈርዶ እየ። 21እቶም ካብ ሰራዊቱ ዝተሓርዩ ሓያላት ብሴፍ ክወድቁ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኵሉ ንፋስ ክብተኑ እዮም። ሽዑ ኣነ ኣቦኻትኩም ከም እተዛረብኩ ክትፈልጡ ኢኹም።’”
22ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ባዕለይ ካብ ዝለዓለ ፂፃ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ክተኽሎ እየ፤ ካብ ዝለዓለ ለጋግ ጨናፍሩ ድማ ለጋ ጨንፈር ክቘርፅ እየ፤ ኣብ ነዊሕን ልዕል ዝበለን እምባ ድማ ባዕለይ ክተኽሎ እየ። a a v22 መንግስትታት ሰብ ኣብ ዝፈሽሉሉ፥ ኣቦና ናይ ባዕሉ ለጋ ጨንፈር ክተክል ተመባፂዑ ኣሎ፦ እቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝመፅእ ንጉስ፥ ኣብ ኢየሱስ ዝተፈፀመ፥ ናብታ ንዅሎም ህዝብታት እተዕቍብ መንግስቲ ዝዓቢ። 23ኣብ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽሎ እየ፤ ጨናፍር ኣውፂኡ ፍረ ክፈሪ እዩ፥ ክቡር ፅሕዲ ኸዓ ክኸውን እዩ። ኵሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ትሕቲኡ ክሓድር እዩ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍሩ ኸዓ ክሰፍሩ እዮም። 24ኵሎም ኣእዋም መሮር ድማ፥ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ኣነ ነቲ ነዊሕ ኦም ኣትሕት፥ ነቲ ትሑት ኦም ድማ ልዕል ኣብል፤ ነቲ ልምሉም ኦም ኣንቅፅ፥ ነቲ ንቑፅ ኦም ድማ ኣዕምብብ። ኣነ ኣቦ ተዛሪበ ኣለኹ፥ ክገብሮ ኸዓ እየ።”