ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንፍቓድ ኣቦ ዝተዓጠቑ

ነባራት ፈተውቲ ምሳታቶም ምውዓል ምስ ኣቛረፅካ ይቕየሙ፥ ጴጥሮስ ድማ እዙይ ክትፅበዩ ኢሉ ይነግር። ንኣንበብቲ ጥንቁቓት ኣእምሮ ኽህልዎም፥ ብዘይ ምጕርምራም ኸአንግዱ፥ ዝኾነ ዘለዎም ውህበት ድማ ኽጥቀሙ ይነግሮም። ናይ ሓዊ ፈተና ጋሻ ነገር ኣይኮነን—ፍርዲ ኻብ ስድራ ቤት ኣቦና ባዕሉ ይጅምር።

ምዕራፍ 4።

እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ መከራ ስለ ዝተቐበለ፥ ንስኻትኩምውን በቲ ሓደ ኣተሓሳስባ ተዓጠቑ፤ እቲ ብስጋ መከራ ዝቕበል ካብ ሓጢኣት ኣቋሪፁ እዩ እሞ። ስለዙይ ነቲ ዝተረፈ ዘመን ህይወትኩም ብስጋ፥ ንፍቓድ ኣቦና ደኣ እምበር ንትምኒት ሰብ ከይትነብርዎ። ነቲ ኣቦ ዘይፈልጥዎ ዝደልይዎ ኽትገብሩ፥ ዝኣክል ጊዜ ኣሕሊፍኩም ኢኹም፦ ብዝሙትን ብፍትወትን ብስኽራንን ብዕግርግርን ብስተን ብርኹስ ኣምልኾ ጣዖትን ብምንባር። ናብቲ ሓደ ዓይነት ውሒዝ ዕግርግር ምሳታቶም ስለ ዘይትጐዩ ይግረሙ ኣለዉ፤ ስለዙይ ይፀርፉኹም ኣለዉ። ንሳቶም ግና ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ክፈርድ ድሉው ዘሎ፥ ፍርዲ ክህብዎ እዮም። ስለዙይ እዩ ወንጌል ናብቶም ሕዚ ምዉታት ዝኾኑ እውን ዝተሰብከ፦ ከም ኵሉ ሰብ ብስጋ ተፈሪዶም፥ ከምቲ ኣቦና ዝነብር ግና ብመንፈስ ምእንቲ ኽነብሩ እዩ።

መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ። ስለዙይ ክትፅልዩ ምእንቲ ኽትኽእሉ፥ ኣእምሮኹም ኣፅርዩ፥ ነብስኹም ተቖፃፀሩን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፥ ፍቕሪ ንብዝሒ ሓጢኣት ይኸድኖ እዩ እሞ፥ ንሓድሕድኩም ብዕምቈት ተፋቐሩ። ብዘይ ምጕርምራም ንሓድሕድኩም ኣአንግዱ። ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት፥ ናይ እቲ ብዙሕ ዓይነት ፀጋ ኣቦና ፅቡቓት መገብቲ ኾይንኩም፥ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። እቲ ዝዛረብ፥ ከም ዘረባ ኣቦና ባዕሉ ዘመሓላልፍ ኮይኑ ይዛረብ፤ እቲ ዘገልግል ድማ፥ ብዅሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክኸብር፥ በቲ ንሱ ዝህቦ ሓይሊ የገልግል። ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ዓለም ናቱ እዩ። ኣሜን።

ምእንቲ ስም ኣቦ መከራ ምቕባል

ኦ ፍቑራት፥ ገለ ጋሻ ነገር ከም ዝወረደኩም ጌርኩም፥ በቲ ዝፍትነኩም ዘሎ ናይ ሓዊ ፈተና ኣይትገረሙ። እኳ ደኣ ክብሩ ምስ ተገልፀ፥ ብሓጐስ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ብመጠን ተሳተፍቲ መከራ ክርስቶስ ብምዃንኩም ተሓጐሱ። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ መንፈስ ክብርን መንፈስ ኣቦናን ኣባኻትኩም ዓሪፉ ኣሎ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ካባኻትኩም ሓደ እኳ፥ ከም ቀታሊ ሰብ፥ ወይ ከም ሰራቒ፥ ወይ ከም ገበነኛ፥ ወይ ከም ኣብ ጒዳይ ካልኦት ኢዱ ዘእቱ፥ መከራ ኣይቅበል። ከም ክርስትያን እንተ መከራ ተቐበልኩም ግና፥ በቲ ስም እቱ ስለ እትፅውዑ ንኣቦና ኣመስግኑ እምበር፥ ኣይትሕፈሩ። ፍርዲ ኻብ ቤተሰብ ኣቦና ዝጅምረሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩ እሞ፤ ካባና እንተ ጀሚሩ፥ እቶም ንወንጌል ኣቦና ዘይእዘዙ መወዳእታኦም እንታይ ክኸውን እዩ? ከምዙይ ድማ፥ “እቲ ፃድቕ ተፀጊሙ ዝድሕን እንተ ኾይኑ፥ እቲ ረሲእን ሓጥእንከ እንታይ ክኾኑ እዮም?” እምበኣር እቶም ብፍቓድ ኣቦና መከራ ዝቕበሉ፥ ፅቡቕ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ናብቲ እሙን ፈጣሪኦም የማሕፅኑ።