ጓሶት ኣብ ትሕቲ እቲ ሓለቓ ጓሳ
ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ኣቦና ፍቓደኛታት ኴኖም ኪጓስዩ፥ ምእንቲ ገንዘብ ዘይኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ዋላ ሓደ ጐይተት ብምዃን ዘይኮነ ኸዓ፥ ይእዘዙ። ካልኦት ኵሎም ድማ ትሕትና ኽኽደኑን ጭንቀቶም ናብቲ ዝሓልየሎም ኣቦና ኸውርዱን ይእዘዙ። ድያብሎስ ይዘዋወር፥ እቲ መከራ ግና ሓፂርን ኣብ ኵላ ዓለም ዘሎን እዩ።
5 1ኣነ እቲ ብፃይ ሽማግለ፥ ናይ መከራ ክርስቶስ ምስክር፥ ናይቲ ክግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ክብሪ ተኻፋልን፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት እምዕዶም ኣለኹ፦ 2ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ መጓሰ ኣቦና ጓስዩ፤ እናተኸናኸንኩምዎ ድማ፥ ተገዲድኩም ዘይኮነ፥ ከምቲ ኣቦና ዝደልዮ፥ ፍቓደኛታት ኴንኩም ደኣ፤ ብነውራም ረብሓ ዘይኮነ፥ ብህንጡይነት ደኣ፥ 3ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢድኩም ዝተውሃቡ ጐይተት ክትኮኑ ዘይኮነ፥ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ኴንኩም ደኣ። 4እቲ ሓለቓ ጓሳ ምስ ተገለፀ ኸዓ፥ ዘይረግፍ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ክትቅበሉ ኢኹም። a a v4 እቲ ሓለቓ ጓሳ ኢየሱስ እዩ፤ እቶም እሙናት ሽማግለታት ኣብ ትሕቲኡ ዘገልግልዎ፥ ምስ ተገለፀ ኸዓ ዝኽፍሎም እዩ።
5ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም ንኣሽቱ፥ ንሽማግለታት ተገዛእዎም። ኣቦና ንዕቡያት ይፃረሮም፥ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም እዩ እሞ፥ ኵልኻትኩም ንስንሳትኩም ትሕትና ተኸደኑ። 6እምበኣር ኣብ ትሕቲ ብርትዕቲ ኢድ ኣቦና ርእስኹም ኣዋርዱ፤ ንሱ ኸዓ በቲ ግቡእ ጊዜ ልዕል ከብለኩም እዩ፤ 7ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ኵሉ ጭንቀትኩም ናብ ኣቦና ኣውርድዎ።
8ነቕሑ፥ ንቑሓት ድማ ኩኑ፤ ፀላኢኹም ድያብሎስ፥ ዝውሕጦ እናደለየ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘዋወር ኣሎ። 9ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ኣብ ኵላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም፥ ተመሳሳሊ ዓይነት መከራ ይቕበሉ ኸም ዘለዉ እናፈለጥኩም።
10እቲ ናይ ኵሉ ፀጋ ኣቦና፥ በቲ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ብክርስቶስ ዝፀውዓኩም፥ ቑሩብ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ባዕሉ ክመልሰኩምን ክድግፈኩምን ከፅንዓኩምን ክተኽለኩምን እዩ። 11ስልጣን ንዘለኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
12ብስልዋኖስ፥ ከም ዝመስለኒ እሙን ሓው፥ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ኣለኹ፤ እዝ ናይ ኣቦና ናይ ብሓቂ ፀጋ ምዃኑ እናመስከርኩ፥ ኣተባቢዐኩም። ኣብኡ ፅንዑ።
ናይ መወዳእታ ሰላምታ
13እታ ኣብ ባቢሎን ዘላ፥ ምሳኻትኩም ሓቢራ ዝተሓረየት፥ ሰላም ትብለኩም ኣላ፤ ወደይ ማርቆስውን ከምኡ። b b v13 እዛ ኣብዚ ዘላ “ባቢሎን” ትብል ቃል፥ ነታ ጥንታዊት ከተማ ዘይኮነት፥ ጴጥሮስ ዝፅሓፈላ መንበር መንግስቲ ንዝነበረት ሮሜ ዝሽፍን ስም ክትከውን ትኽእል እያ። 14ብምስዓም ፍቕሪ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ንኣኻትኩም ኣብ ክርስቶስ ዘለኹም ኵልኻትኩም፥ ሰላም ይኹን።