እቲ ነተን ከዋኽብቲ ዝሓዘ
ኢየሱስ ኣርባዕተ መልእኽቲ የፅሕፍ። ኤፌሶን ኣበርቲዓ ትሰርሕ፥ ነታ መጀመርታ ዝነበረታ ፍቕሪ ግና ሓዲጋታ። ሰሜርና ድኻ እያ፥ ክትእሰር ድማ ቀሪባ። ጴርጋሞን ትምህርቲ በላዓም ትፅወር፥ ትያጥሮን ድማ ንኤልዛቤል ትፅወር። ነፍሲ ወከፍ ጕድለት ተፀዊዑ፥ ደሓር ከዓ ኣብ ገነት ኣቦና ናይታ ኦም ህይወት ተስፋ ይወሃብ።
2 1“ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ኤፌሶን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከምዙይ ኢልካ ፅሓፍ፦ እቲ ነተን ሸውዓተ ከዋኽብቲ ብየማናይ ኢዱ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ብወርቂ ዝተሰርሓ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
2“ግብርኻን ድኻምካን ትዕግስትኻን እፈልጥ ኣለኹ፤ ንእኩያት ክትፅወር ከም ዘይትኽእል ድማ እፈልጥ ኣለኹ፤ ነቶም ርእሶም ሃዋርያት እናበሉ ዘይኮኑ ፈቲንካዮም፥ ሓሰውቲ ምዃኖም ድማ ረኺብካዮም። 3ስለ ስመይ ተዓጊስካን ፀኒዕካን ኢኻ፥ ኣይደኸምካን ድማ። 4ግና ኣባኻ ዝረኸብክዎ ነገር ኣሎ፦ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ። 5ስለዙይ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳሕ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻ ድማ ግበር። እንተ ዘይኮነ፥ እንተ ዘይተነሲሕካ፥ ናባኻ መፂአ ነቲ ቐንዴልካ ካብ ቦታኡ ከልዕል እየ። 6ግና እዝ ነገር እዙይ ኣለካ፦ ነቲ ኣነውን ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን ትፀልኦ ኢኻ። 7እዝኒ ዘለዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት ኣቦና ዘላ ኦም ህይወት ክበልዕ ክህቦ እየ።
እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን
8“ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ሰሜርና ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከምዙይ ኢልካ ፅሓፍ፦ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፥ ዝሞተን ዳግም ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
9“መከራን ድኽነትካን እፈልጥ ኣለኹ—ንስኻ ግና ሃብታም ኢኻ—ካብቶም ኣይሁድ ኢና እናበሉ ዘይኮኑ፥ ቤተ ፀሎት ሰይጣን ዝኾኑ ዝመፅእ ፀርፊ ድማ እፈልጥ ኣለኹ። 10ነቲ ክትቅበሎ እትቐርብ መከራ ኣይትፍራሕ። እንሆ ድያብሎስ ምእንቲ ኽፍትነኩም፥ ካባኻትኩም ንገሊኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከእትዎም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ መከራ ክትቅበሉ ኢኹም። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፥ ኣኽሊል ህይወት ድማ ክህበካ እየ። 11እዝኒ ዘለዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብሎ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።
እቲ በሊሕ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ
12“ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ጴርጋሞን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከምዙይ ኢልካ ፅሓፍ፦ እቲ በሊሕ ክልተ ዝኣፋ ሰይፊ ዘለዎ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦
13“ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ ኣለኹ—ዝፋን ሰይጣን ኣብ ዘለዎ ኢኻ። ኾይኑ ግና ንስመይ ሒዝካዮ ኢኻ፤ እቲ እሙን ምስክረይ ኣንቲጳስ ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ ኣብ ማእኸልኩም ምስ ቀተልዎ እኳ፥ እምነትካ ብኣይ ኣይከሓድካን። 14ግና ኣባኻ ዝረኸብክዎ ቑሩብ ነገር ኣሎ፦ ኣብኡ ንትምህርቲ በለዓም ዝሓዙ ገሊኦም ኣለዉ። በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል፥ ፃዖት ዝተሰውአ ምግቢ ኽበልዑ፥ ክዝምዉ ድማ፥ ኣብ ቅድሚኦም መዐንቀፊ ምእንቲ ኽግበር ንባላቅ መሃሮ። 15ከምኡ ድማ ንስኻውን ትምህርቲ ኒቆላውያን ዝሓዙ ገሊኦም ኣለዉ። 16እምበኣር ተነሳሕ። እንተ ዘይኮነ ቀልጢፈ ናባኻ መፂአ፥ ነቶም ዝሓዝዎ ብሰይፊ ኣፈይ ክዋግኦም እየ። 17እዝኒ ዘለዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ተሓቢኡ ዘሎ መና ክህቦ እየ፤ እቲ ዝቕበሎ ጥራሕ ዝፈልጦ ሓዱሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒ ድማ ክህቦ እየ።
ከም ሃልሃልታ ዝኾና ኣዒንቲ
18“ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ትያጥሮን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከምዙይ ኢልካ ፅሓፍ፦ እቲ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣእጋሩ ኸዓ ኸም ፅሩይ ነሃስ ዝኾነ ወዲ ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦
19“ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን እፈልጥ ኣለኹ፤ ዳሕሮት ግብርኻ ድማ ካብ ቐዳሞት ከም ዝበዝሕ እፈልጥ ኣለኹ። 20ግና ኣባኻ ዝረኸብክዎ ነገር ኣሎ፦ ነታ ርእሳ ነብዪት እናበለት፥ ነቶም ባሮተይ እናመሃረት ፃዖት ዝተሰውአ ምግቢ ኽበልዑ፥ ክዝምዉ ድማ እተስሕት ሰበይቲ ኤልዛቤል ትፅወራ ኢኻ። 21ክትነስሕ ጊዜ ሃብክዋ፥ ንሳ ግና ካብ ዝሙት ክትነስሕ ኣበየት። 22እንሆ ናብ ዓራት ሕማም ክድርብያ እየ፤ ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ድማ፥ ካብ ግብራ እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ዓብዪ መከራ ክድርብዮም እየ። 23ንውሉዳ ድማ ብሞት ክወቕዖም እየ። ሽዑ ኣነ ኵሊትን ልብን ዝምርምር ምዃነይ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክፍለጥ እዩ፤ ንነፍሲ ወከፍኩም ድማ ከም ግብሩ ክፈድዮ እየ። 24ንስኻትኩም ዝተረፍኩም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም፥ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ዘይሓዝኩም፥ ነቲ ‘ዓሚቝ ነገር ሰይጣን’ ዝብልዎ ዘይተማሃርኩም ግና፥ ካልእ ሸኽሚ ኣይፀዓነኩምን እየ። 25እቲ ዘለኩም ጥራሕ ክሳዕ ዝመፅእ ኣፅንዕዎ። 26እቲ ዝስዕርን ግብረይ ክሳዕ መወዳእታ ዝሕልውን፥ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ክህቦ እየ፤ 27ከምቲ ኣነውን ካብ ኣቦይ ስልጣን ዝተቐበልኩ፥ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም፥ ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ክሰባብሮም እዩ። 28ናይ ንጉሆ ኮኸብ ድማ ክህቦ እየ። 29እዝኒ ዘለዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብሎ ይስማዕ።”