ሓድሽ መዝሙር ንኵላ ምድሪ
እቲ ሓድሽ መዝሙር ናይ ስብከት እዩ — ግብርታት ኣቦና ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣበስሩ፥ መባእ ኣምፅኡ፥ ንሱ ከም ዝነገሰ ንገርዎም። እቶም ካልኦት ኣማልኽቲ ብኢድ ዝተሰርሑ ከንቱ እዮም። ባሕርን ሜዳን ኣእዋም እቲ ዱርን እኳ ነቲ ዝመፅእ ፈራዲ ዕልል ክብሉ ይፅውዑ።
96 1ንኣቦና ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፤ ኣቱም ኵሉ ምድሪ፥ ንኣቦና ዘምሩ።
2ንኣቦና ዘምሩ፥ ንስሙ ባርኽዎ፤ ምድሓኑ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣበስሩ። 3ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክቡር ግብርታቱ ንገሩ፤ ኣብ ማእኸል ኵሎም ህዝብታት ድማ ተኣምራታዊ ግብሩ ኣፍልጡ። 4ኣቦና ዓብዪ እዩ እሞ፥ ኣዝዩ ኽውደስ ይግብኦ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንላዕሊ ክፍራሕ ዝግብኦ እዩ። 5ኵሎም ኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት ጣዖታት እዮም እሞ፥ ኣቦና ግና ንሰማያት ፈጠረ። 6ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚኡ ኣለዉ፤ ሓይልን ፅባቐን ከዓ ኣብ መቕደሱ ኣለዉ።
7ኣቱም ኵሎም ዓሌታት እቶም ህዝብታት፥ ንኣቦና ሃቡ፤ ንኣቦና ክብርን ሓይልን ሃቡ። 8ንኣቦና ነቲ ንስሙ ዝግብኦ ክብሪ ሃቡ፤ መባእ ኣምፂእኩም ናብ ኣዳራሻቱ እተዉ። 9ንኣቦና ብግርማ ቅድስና ስገዱ፤ ኣቱም ኵሉ ምድሪ፥ ኣብ ቅድሚኡ ተንቀጥቀጡ። 10ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከምዙይ በሉ፦ “ኣቦና ነጊሱ! ዓለም ፅንዕቲ ኮይና ቆይማ ኣላ፤ ከቶ ኣይክትነቓነቕን እያ። ንሱ ንህዝብታት ብቕንዕና ክፈርዶም እዩ።”
11ሰማያት ደስ ይበሎም፤ ምድሪ ድማ ትተሓጐስ፤ ባሕሪ ምስ ኵሉ ዝመልኦ ይጓዝም። 12ሜዳ ምስ ኵሉ ኣብኡ ዘሎ ዕልል ይበል፤ ሽዑ ኵሎም ኣእዋም እቲ ዱር ብሓጐስ ክዝምሩ እዮም። 13ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ንምድሪ ኽፈርዳ ይመፅእ ኣሎ እሞ። ንዓለም ብፅድቂ፥ ንህዝብታት ከዓ ብሓቅነቱ ክፈርዶም እዩ።